መቐለ —
ኣብ 2013 ዓመተ ምህረት ፌደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣጣይሱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ ማዕኸን ዜና ሰሪሕኹም ተባሂሎም ካብ ምድብ ስርሖም ወሪዶም ክሰርሑ ተወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ ግና ቤትፍርዲ ናብ ናይ ስራሕ ምድቦም ክመለሱ እንተወሰነ እቲ ውሳነ ኣይተተግብረን ክብሉ እቶም ጋዜጠኛታት የማርሩ።
ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ንምርካብ ንኣመራርሓ እቲ ትካል ሓቲትና “እቲ ከይዲ ገና ኣይተዛዘመን” ብምባል ዝርዝር መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።
ቅጥዒ