መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀሙ ዘለዉ ጭውያ፣ ቅትለትን ፆታዊ መጥቃዕትን ጠጠው ይበል ብምባል ኣሽሓት ደቀንስትዮ ዝተሳተፍኦ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻዪዱ።
ተሰለፍቲ መሓዉራት መንግስቲ፡ ንውሕስነት ፀጥታ ደቀንስትዮ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸዊዐን። ንተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ተስፋ፣ ኣብቲ ክልል ዘይተለመዱ ገበናት ብተደጋጋሚ ክረአዩ ምኽኣሎም ዘሕዝን እዩ፣ ነዚ ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ክሰርሕ እዩ ኢሎም። ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ትግራይ ስርዓት ኣልቦነት ነጊሱ ክብሉ፣ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ 4 ውድባት ብሓባር ኣብ ዝህብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።
ቅጥዒ