ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“75-ሽሕ ተዋጋእቲ ትግራይ ናይ ምፍናውን ምጣያስን መስርሕ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ክጅምር’ዩ፡” ኮሚሽን ተሃድሶ


ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝጅመር ቀዳማይ ዙር ነበር ተዋጋእቲ ካብ ንጡፍ ወታሃደራዊ ስራሕ ተኣልዮም ናብ ሕብረተሰብ ዝፍነዉሉን ዝጣየሱሉን መስርሕ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ክጅምር ምዃኑ ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣብዚ መስርሕ ኣስታት 75-ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ነበር ክህልው ትፅቢት ከም ዝግበር እቲ ኮሚሽን ይሕብር። ቅድሚኡ ግን ሃብቲ ናይ ምትእኽኻብ መስርሕ ክካየድ ምዃኑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ዘዳለዎ ሪፖርት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG