ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምፍራይ ጥሪት ዝተዋፈሩ ነጋዳይ ብምህርቲ ፃባ ዕጉብ ምኻኖም ይገልፁ


voa
voa

ኣይተ ሰለሙን ገሰሰ ዝተባሃሉ ተቐማጢ ዅሓ ኣብ ውሽጢ መረባ ገዘኦም ኣላሕም ምስ ዘርኢ ፈረንጂ እናዳቐሉ ኣብ ማዓልቲ ካብ ሓንቲ ላሕሚ 36 ሊትሮ ፀባ ይረኽቡ። ንሓንቲ ላሕሚ ብማእኸላይ ካብ 17,000 ክሳብ 21,000 ይሸጡ። ካብ 1998 ዓ.ም ንነዘ 82 ኣላሕም ሸይጦም ኣለዉ።

ኮይኑ ግና ሰፊሕ መሬት ረኺቦም እቲ ስራሕ ከየስፍሕዎ ብሰንኪ ጽበት ቦታ ምሒር ከምዝተጸገሙ ይገልጹ። መሬት ይወሃበኒ ኢለ ብተደጋጋሚ ሓቲተ ሰማዒ ኣይረኸብኩን ይብሉ።

ኣይተ ሰለሙን ተምሳሌታዊ ሓረስታይ ተባሂሎም ካብ ወረዳ ክሳብ ፌደራል ብርኪ ተሸሊሞም እዮም።

“ዝሓተትኩዎ ሰፊሕ ቦታ እንተዳኣ ተፈቒዱለይ ካብ ከፍቲ ምርባሕ ሓሊፈ ውጽኢት ምህርቲ ፀባ ዘፍሪ ፋብሪካ ክተክል ተሰናዲአ ኣለኹ” ይብሉ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ሕርሻ ወረዳ እንደርታ ኣብ ምድቓልን ኣብ ክንክን ጥዕናን ጥሪቶም ሞያዊ ሓገዝ ከምዝረኽቡ ዘለዉ ድማ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG