ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ትግራይ ንሕጋዊ ሰብ ሃፍቲ ዘባህርር ኩነታት የለን” ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ'ቲ ክልል


Tesfalem Yihdego
Tesfalem Yihdego

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብገበን ግዕዝይና ጠርጢሩ ዓሚ ዝኣሰሮም ሰብ ሃፍትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዛጊድ ፍርዲ ኣይረኸቡን::

ካብ ህዝቢ ንዝረኸቦ ሕቶታት መሰረት ብምግባር ግርማይ ገብሩ ንሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ንኣይተ ተስፋ ኣለም ይሕደጎ ሓቲቱ’ሎ ::

እቶም ሰብ ሃፍቲ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክገብሩዎ ዝነበሮም ግቡእ ብዘይ ምፍፃሞም ከምዝተኸሰሱ ኣብዚ ድማ መንግስቲ ጭቡጥ መረዳእታ ከምዘለዎ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም::

“ሓደ ካብ መንጎ እቶም ተኸሲሶም ዘለዉ ሰለስተ ሰብ ሃፍቲ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚልዮን ቅርሺ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን ዝነበሮ ገንዘብ ኣታዊ ዘይገበረ ዝተጭበርበረ መረዳእታ ዝሓዘ እዩ” ይብሉ ኣይተ ተስፋኣለም::

ካብ ወገን መንግስቲ እውን ታሕተዎት ሰራሕተኛታት ጥራሕ እንተይኮነስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት እውን ተኸሲሶም ገሊኦም ተፈሪዱዎም ገሊኦም ካዓ ፍርዲ ይጽበዩ ኣለዉ ብምባል ይዛረቡ::

ዋላ እቲ ኸይዲ ምፅራይ እንተደንጎየ መንግስቲ ነቶም ሰብ ሃፍቲ መረዳእታ ሒዙ እምበር ንቐደም ኣሲሩ ኣይኮነን ናብ ምፅራይ ዝኣተወ እንትብሉ ንምዝንጋዕ እቲ ኸይዲ ዘበልዎ ምላሽ ሂቦም::

ትግራይ ሕጊ ኣኸቢሩ ክሰርሕ ንዝመጽእ ፍርቂ መንገዲ ኸይዱ ዝቅበል መንግስታዊ ኣሰራርሓ ዝተኸተለ ኣካይዳ ዘለዋ መሬት እምበር ሃፍታም ዘብህርረላ ዓዲ ኣይኮነትን ኢሎም ኣይተ ተስፋ ኣለም ይሕደጎ::

XS
SM
MD
LG