ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ‘ኮብልስቶን’ ዝሐሸ ግልጋሎት ይህብ’ሎ


እቲ ስራሕ ቀውዕን ሓጋይን ኣብ ክንዲ ምስራሕ ክረምቲ እናተሰረሐ ይበላሾ’ሎ፤ ኢሎም ኣይተ ገብረህይወት

መንግስቲ ትግራይ ካብ ጀርመናውያን ዝረኸቦ ‘ኮብልስቶን’ ዝተባሃለ ሓዱሽ ሜላ ኣሰራርሓ ፅርግያ ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝሐሸ ግልጋሎት ይህብ ምህላዉ ተገሊፁ’ሎ፡፡

ከንቲባ ከተማ መቐለ ንጉሰ ገብረ ኣብ ከተማ መቐለ ‘ኮብልስቶን’ ምህናፅ ዝተጀመረ ካብ 2000 ዓ.ም ኣትሒዙ ምዃኑ ገሊፆም፤ ዛጊድ 57 ኪሎ ሜትሮ ኮብል ስቶን ተሰሪሑ ምህላዉ ተዛሪቦም፡፡

ርኢቶ ዋሃብቲ ነቲ ዝህነፅ ዘሎ ኮብልስቶን ከም ሓደ ፅቡቕ ጅማሮ ‘ዮም ዝገልፅዎ፡፡

ብልሙድ ቀበሌ 16 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ማእኸል ከተማ መቐለ ዝነብሩ ኣይተ ገብረህይወት ጎይትኦም ብውፅኢትን ግልጋሎትን ኮብልስቶን ሕጉስ እየ ይብሉ፡፡ ባዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ኣኸዛ ተስፋይ ብተመሳሳሊ በቲ ዝተራኣየ ለውጢ ዕግብቲ ምዃነን ገሊፀን ብፍላይ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር መዳዩ ልዑል ረብሓ ሂቡ እዩ ኢለን፡፡

እቲ ዝተራኣየ ለውጢ ርዱእ ኮይኑ እናሃለወ ኣብ ወቕትን ፅሬት ኣሰራርሓን ግና ክእረም ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ተዋሂቡ’ዩ፡፡

“እቲ ስራሕ ቀውዕን ሓጋይን ኣብ ክንዲ ምስራሕ ክረምቲ እናተሰረሐ ይበላሾ’ሎ፤ ቅድሚ ሎሚ ዝተሰርሐን ኣብዚ እዋን ዝስራሕን ዘሎ ኣብ ፅሬቱ ኣፈላላይ ኣለዎ ኢሎም” ኣይተ ገብረህይወት፡፡

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብቶም ሎምዘበን ብ400 ሚሊዮን ቕርሺ ክሰርሖም ዝሓንፀፆም 244 ውራያት ልምዓት እቲ ዝዓበየ ምህናፅ ፅርግያን ኮብልስቶንን ምዃኑ ከንቲባ ንጉሰ ገብረ ዝሃብዎ መግለፂ የረድእ፡፡

XS
SM
MD
LG