ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኽሊ በለስ ንቐለብን ጥዕናን


ወይዘሮ ጸጋ ገብረኪዳን ካብ በለስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግቢ ብምድላው ሰባት ተወሳኺ ቀለብ ምግብን ንጥዕና ዝሐሸ መማረፂ ክረኽቡ ይሰርሓ ኣለዋ

ወይዘሮ ጸጋ ኣብ ከተማ መቐለ ዓዲ ሓውሲ ኣብ ዝርከብ መረበት ገዘአን ኮይነን ካብ ውልዶ በለስን ካብ ፍረ በለስን ዝተፈላለዩ ምግቢ የሰናድኣ፡፡

ካብ ውልዶ በለስ ቅጫ፣ቁልዋ፣ቀይሕ ጸብሒ፣ጸብሒ ኣልጫ፣ኮተሌት፣ጽሟቕን ማልማላታን ካልኦትን ናብ ተጠቀምቲ የቕርባ ኣለዋ፡፡

ብተመሳሳሊ ካብ ፍረ በለስ ጽሟቕን ሾርባን ከምኡ እውን ካብ ቅላጥ በለስ ከረሜላ የሰናድኣ፡፡

ሕብረተሰብ ከፍቲ ዝበልዐኦ ገልዒ ዲና ክንበልዕ ብዝብል ኣተሓሳስብኡ ንምቕያር ከቢድ ኮይኑወን ምህላዉ ይገልፃ፤ ምህርቲ በለስ ሓዱሽ ውፅኢት ምስ ምዃኑ ድማ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ቅሉዕ ከባቢ ንመሸጢ ዝኸውን ቦታ ክህበን ሓቲተን ኣለዋ፡፡

ተኽሊ በለስ ንቐለብን ጥዕናን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዝገልጻ ወይዘሮ ጸጋ ሕብረተሰብ ረብሓ ተኽሊ በለስ ንኽርዳእ ኣብ ንግዳዊ ዓውደ ምርኢት ብምስታፍ ትምህርቲ ይህባ ምህላወን እውን ይገልጻ፡፡ ምስ ከምአን ዝበላ ደቀንስትዮ ኣሓተን ብምዃን ድማ ነቲ ዋኒን ናብ ዝላዓለ ብርኪ ከብፅሐኦ ይሕልና ምህላወን ተዛሪበን እየን፡፡

XS
SM
MD
LG