ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ናብ ስድርኦም ምምላስ ምጅማሮም ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ


ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ናብ ስድርኦም ምምላስ ምጅማሮም ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:55 0:00

ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ናብ ስድርኦም ምምላስ ምጅማሮም ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ

ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ተሰናቢቶም ናብ ስድርኦም ምምላስ ምጅማሮም ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 50 ሺሕ ተዋጋእቲ ዝነበሩ ከምዝተሰናበቱ ምክትል ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ኮሚሽነር ፕላን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሃንሳ ተኽላይ ካቢነ`ቲ ኽልል 17.3 ቢልየን ብር ባጀት ዓመተ 2016 ከም ዘጽደቐ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ`ላ። እቲ 13. 4 ቢልየን ብር ካብ ፈደራል መንግስቲ ዝተረኽበ ምዃኑ ዝጠቐሰት ወ/ሮ ሃንሳ፡ ካብቲ ክልል ክእከብ ዝነበሮ ግብሪ ብሰንኪ ኲናት ክእከብ ብዘይምኽኣሉ እቲ ባጀት ትሕቲ ዝድለ ምዃኑ ሓቢራ`ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG