ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ ደሴን ካልኦት ከተማታትን ምስ ዝነብሩ ተጋሩ ምይይጥ ኣካይዱ


ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወሎ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ዝተሳተፉ ወሃብቲ ሪኢቶ ከምዝገለፁዎ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ወይ ናብ ስልጣን ንምውፃእ ምሁራንን ፖለቲካዊ ውድባትን ብሰንኪ ዘካይዱዎ ቓልሲ ንናይ ህዝቢ ድሕነት ሓደጋ ይኸውን ኣሎ ኢሎም ተሳትፍቲ።ካብቶም ተሳተፍቲ ሓደ ‘’ብኣጉል ናይ ስልጣን ሽሚያ እታ ሃገር ተሕመስ ኣላ፤ኣምሓራይ፣ትግራዋይ እናተበሃለ ንስልጣን ክብሉ ምሁራን እናቋሰሊና እዮም’’ኢሎም።

እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ ብዝተዛብዐ ኣገባብ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ሓደ ገይሮም ዝሪኡ ከምዘለው ብምግልፃ እዚ እውን ንማሕበራዊ ምግላልን ከምዘቃልዖም ኣረዲኦም።ብኣንፃሩ ህወሓት ዝመረፆም ውሑዳት እምበር ንሕና ከም ህዝቢ ተጠቀምቲ ኣይኮናን ኢሎም።

ሰላም ኢና ንደሊ፤ብሕብረት ኢና ምንባር ንደሊ፤ምንፃል ኣይንደልን፤ኢትዮጵያዊያን ኢና ኢሎም እዞም ወሃብቲ ሪኢቶ።

ናይ ትግራይ ክልል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ነብይ ስሑል እቲ ምይይጥ ጠቓሚ ምባሩ ሓቢሩ።

‘’ገለ ረብሕኦም ዝጎደሎም ናይ ህዝቢ ሓቢርካ ምንባር ኣብ ምዝራግ ክዋፈሩ የብሎምን።ተዘይኮይኑ መንግስቲ ሰላምን ናይ ህዝቢ ሃገርን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ስርሑ ክሰርሕን እዩ’’ ኢሉ።ካብቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ምኽሪን ፃውዒትን እውን እዚ እዩ ክብል ወሲኹ ገሊፁዝበለ።

ናይ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ምንስቴር ድኤታ ዶክተር ሙሉ ነጋ ብዝተጋገየ ሓበሬታ ናይ ህዝቢ ሓቢርካ ናይ ምንባር ዝህወኹ ምንቅስቓሳት ምህላዎ ኣይሓብኡን።ነዚ ምውጋድ ዝክኣል ድማ ናይ ሃገር ሓባራዊ ኣተሓሳስብ ክፍጠር ከሎ እዩ ኢሎም።

ተመሳሳሊ ምይይጥ ኣብ ድሬዳዋ ዝተካየደ ክኸውን ከሎ እቲ መድረኽ ተወለድቲ ትግራይ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ለውጢ መስርሕን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ግንዛበ ክረኽቡ ዘኽኣለ ከምዝኾነ ናይ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምንስቴር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም ኣለው ይብል ፀብፃብ መስፍን ኣርጌ ካብ ደሴ።

XS
SM
MD
LG