ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ትውልደ ኢትዮዽያውያን መፅሓፍቲ ኣበርኪቶም


ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኣይተ ሰለሞን ሓጎስ ምስ ስድረኦም ሄርሜላ ሓጎስን ናሆም ሓጎስን ብምዃን ዝላ ኣኹዎም 340 ዝተፈላለዩ መፅሓፍቲ ንተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ምህርቲ ፅገሬዳ ተዋሂቡ ኣሎ።

ነቲ ሓገዝ ዘበርከቱ ተወላዲ እቲ ከባቢ ኣይተ ፍፁም ኣስገዶም ንለገስቲ ብሽም ህዝብን ተምሃሮን ፅገሬዳ ኣመስጊኖም። ብተወሳኺ ካልኦት ደቂ ዓዲ እውን ዝተፈላለዩ ናውቲ ቤት ትምህርቲ ብምውፋይ ንህፃውንቲ ተምሃሮ ፅቡቕ ተስፋን ሓቦን ከስንቕዎም ይግባእ ኢሎም።

ነቲ መፅሕፍቲ ዝተረከቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ካልኣዩ ገብረሂወት ኣብቲ እዋን “ኣይተ ፍፁም ኣስገዶም ቅድሚ ሎሚ እውን ካብ ጃፓን ኤምባሲ ዘምፅዎ 800,000 ቕርሺ ተወሰኽቲ መምሀሪ ክፍልታት ብምህናፅ እቲ ቤት ትምህርቲ 9ይን 10ይን ንኸምህር ዘኽአሉ ፈታዊ ልምዓት እዮም፤ እዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ እውን ብአኦም ኣቢሉ ዝተረኸበ እዩ ብሽም ህዝቢ ክነመስግኖም ንፈቱ’’ ኢሎም።

ቤት ትምህርቲ ፅገሬዳ መምሀሪ ክፍልታት ወላ’ኳ እንተተሃነፀላ ተምሃሮ ክሻብ ሎሚ ኣብ ባይታ ኮፍ ኢሎም ይማሃሩ ምህላዎም ግና ይረአ።

ተምሃሮ 10ይ ክፍሊ ምስወድኡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘቕፅሎም ትምህርቲ መሰናድኦ ድማ ኣብቲ ከባቢ ስለዘየለ ተምሃሮ ናብ ውቕሮን መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይ ከይዶም ክመሃሩ ይግደዱ በዚ ድማ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ፀገማት ትምህርቶም ስለዘይቕፅሉ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ፍታሕ ንኸናዲ ኣይተ ፍፁም ተማሕፂኖም።

ፅገሬዳ ካብ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ 38 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ ብዙሕ ዘይተመሓየሸት ጥንታዊት ሓውሲ ከተማ እያ።

XS
SM
MD
LG