ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ሙዚቃ ዝማሃሩ ምርኣይ ዝተሳኣኖም ህፃውንቲ ዝጎድልዎም ነገራት ከይማለአሎም ካብ መንግስትን ህዝብን ሓገዝ ኣይረኸቡን።
ኣብቲ ቤት ምህርቲ ሙዚቃ ዝምህራ መምህር መሰረት ሓዱሽ እቶም ህፃውንቲ ሙዚቃ ጥራሕ ተይኮነስ ካልእ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምቕባል ቅሩብነቶምን ድልየቶምን ዝላዓለ ምዃኑ ይገልፃ።
ሓደ ካብቶም ተምሃሮ ዮሃንስ በላይ “ሕብረተሰብ ኣባና ዘለዎ ኣረኣእያ ዘይምቕያሩ ተዘይኮይኑ ንባዕልና ክንሓስቦ እንተለና ዘፀግምና ኣይኮነን። ኣነ ንባዕለይ ዓይነ ስውር ምዃነይ ዝርስዐሉ እዋን ኣሎ፤ ምኽንያቱ ካልእ ሰብ ዝሰርሖ ኣነ እውን ይሰርሖ ስለዘለኹ” ይብል።
“እቲ ቤት ትምህርቲ ዘለዎ ዓቕሚ ብጣዕሚ ድሩት እዩ። እዚ ትርእዮ ዘለኻ ውሱን መሳርሕታት ሙዚቃ ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝተረኸበ እዩ እኹል ኣይኮነን። እንትበላሾ ኣይዕረይን። ብዙሕ ፀገም እዩ ዘሎ። ተምሃሮ ክንድቲ ክዓብዩዎ ዝደልዩ ክወሳወሱ ኣይካእሉን። ስለዚ ብፍላይ መንግስቲ ትኹረት ክህቦ ይግባእ።” ኢለን መምህር መሰረት።
ቤት ትምህርቲ ምርኣይ ዝተሳኣኖም መቐለ ብኣቆፃጽራ ኢትዮዽያውያን ብ1985 ዓ/ም እዩ ተጣይሹ።