ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ኣባላት ባህሊ ፖሊስ ትግራይን ሓላፊ ፀጥታን ምምሕደራን'ቲ ክልል ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ


ካብ መቐለ ናብ ሱዳን ዝተበገሰት ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ትግራይ ኣብ ቆቦ ምስ በፅሐት ኣብ ልዕሊ እታ ኣውቶብስ ብተንቂ ዝወረደ ሓደጋ 9 ኣባላት'ታ ጉጅለ ክሞቱ ከለው ካልኦት'ውን ምቁሳሎም ዝዝከር'ዩ።

ዕላማ እቲ መገሻ ብመሰረት ምሕዝነታዊ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ባህላዊ ምርኢት ጉጅለታት ባህሊ ትግራይ፣ኣምሓራ፣ኦሮምያን ህዝብታት ደቡብን ንምርኣይ ከምዝነበረ ኣጋይሽና ይገልፁ።

እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ እቲ መደብ ከምዝተደናጎየን እተን ካልኦት ጉጅለታት ባህሊ ከምዝቀፀላሉን እውን ተሓቢሩ'ሎ።

ካብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝስማዕ ስለምንታይ ብነፋሪት ዘይተላእኹ ንዝብል'ውን ክምልሱ ከለው፣ ካብ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርካ ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ብመኪና ንሱዳንን ካብ ሱዳንን ይመላለሱ ከምዝነበሩን እዚ ኣብ'ዚ ቀረባ ዝወረደ ሓደጋ ንኩሉ ዘሕዘነን ምኻኑ ይጥቅሱ ኣጋይሽና።

XS
SM
MD
LG