ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ባህሊ ትግራይ ሓደጋ መኪና በፂሑዎም


ሃንደበትን ብርሃነን ኣብ መድረኽ
ሃንደበትን ብርሃነን ኣብ መድረኽ

9 ሂወቶም ሲኢኖም 16 ቆሲሎም

ጉጅለ ባህሊ ትግራይ(ፖሊስ ትግራይ) ትማሊ ካብ መቐለ ናብ ካርቱም ሱዳን ብኣውተቡስ እንትኸዱ ኣብ ቆቦ ተገሊቢጦም ካፍቶም ኣብታ ኣውተቡስ ዝንበሩ 26 ከየንቲ 9 እንትሞቱ ዝተረፉ ኻዓ ቀሊልን ከቢድን ኣካላዊ ማህሰይቲ ወሪድዎም።

እቶም ጉጅለ ኪነት ኣብ ሱዳን ባህሊ ትግራይ ንምምልላይ ብመንግስቲ ተላኢኾም ይኸዱ ምንባሮም ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ዝተወሃበ መግለፂ ሓዘን የረድእ።

እታ ኣውተቡስ ካብ ቆቦ ኣስታት 5 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሆርማት ኣብ ዝባሃል ከባቢ መንቀሊኡ ዛጊድ ብዘይተፈልጠ ንብ እግሪ ቢንቶ ከምዝፀደፈት መሰኻኽር ዓይኒ ይገልፁ።

ስነ ስርዓት 9 ከየንቲ ፅብሕ ኣብ ከተማ መቐለ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብሪኤል ክፍፀም እዩ።

XS
SM
MD
LG