ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓመድ ድበ 9 ከየንቲ ተጋሩ ሎማዓንቲ ተፈፂሙ


መልእኽቲ ቀ/ሚ መለስ'ውን ብንባብ ቀሪቡ

ካብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ትግራይንዝመፁ ቀበርቲ ናብ ጎደናታት መቐለ ብምፍሳስ ንተን ትሻዓተ ኣስከሬናት ዝሓዛ መካይን ካብ ቤት ፅሕፈት ኪነት ፖሊስ ትግራይ ናብ ሓወልቲ ሰማእታት ቀፂሎም ድማ ናብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ዓጂቦም ሰንየሞም።

ኣብቲ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተረኸቡ ሊቃነ ዻዻሳት ብፁእ ኣቡነ ዻውሎስ ”እቶም ቆልዑ ክቡር ሞት እዮም ሞይቶም፤ ሞት ድማ ኣይቐርን። የግድስ ንሳቶም ዝሓደግዎ ምህሮን ምኽርን ክነተግብሮ ይግባእ” ኢሎም።

ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ እቶም ከየንቲ ልእኽቶ መንግስትን ውድብን ንምፍፃም ከምቲ ልሙድ እንትጓየዩ እዮም ሂወቶም ሓሊፉ። መንግስትን ውድብን ሓዚኖም እዮም ክብሪ ድማ ይግበኦም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ዝላኣኽዎ መግለፂ ሓዘን ብኣማኻሪኦም ኣማኻሪ ጉዳይ ደሕንነት ኣይተ ፀጋይ በርሀ ኣቢሉ ተነቢቡ።

ኣይተ መለስ ኣብ ደብዳቤኦም ”ምእንቲ ልምዓት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ስለዝኾኑ ክብርን መጎስን ክነጎናፅፎም ይግባእ” ኢሎም።

ብዙሓት ሰባት እቶም ከየንቲ ካብ መቐለ ናብ ሱዳን ዝኣክል ነዊሕ ጉዕዞ ንምንታይ ብኣውተቡስ ክኸዱ ተገይሩ፤ ንምንታይ ብኣውሮፕላን ወይ ድማ ብሄልኮፕተር ክኸዱ ዘይካኣሉ ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል ቅሬታኦም ይገልፁ ኣለዉ።

እቶም ሂወቶም ዝሳኣኑ ነባራት ተጋደልትን ከየንትን ብርሃነ ገ/መስቀል (ጋኖ)፣ብርሃነ ገ/ሂወት(ሃንደበት) ፣ለተመስቀል ገ/ሂወት፣ተክኤ ተስፋማርያም ፣ብርሃነ ዓንደ(ኩናማ) ፣ሃይለ ገ/ስላሰ፣ ከምኡ’ውን መንኣሰይ ከየንቲ ብርሃነ ገ/ሚካኤል(ጭራ) ፣ኣሸናፊ መንግስቱን ፣ሃፍቶም ገ/ማርያምን (ቻኩር) እዮም።

XS
SM
MD
LG