ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንመንኣሰይ ስእልን ቅርጽን ብነጻ ዘሰልጥን ከያኒ


ወለዲ እውን ንደቆም ኣየተባብዑን

ወልደኣብርሃ በየነ ኣብ ከተማ መቐለ ሳኣልትን ቀረጽትን ናይ ምዃን ድልየት ንዘለዎም መናእሰይ ብናጻ የሰልጥን’ሎ፡፡ ዛጊድ ን90 መናእሰይ ኩሉ ዘድልዮም ናውቲ ኣማሊኡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዛኣክል ስልጠና ሂብዎም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቶም መናእሰይ ገሊኦም ናብ ቤት ትምህርቲ ኪነ ጥበባት ትግራይ ኣትዮም ትምህርቶም ብዝላዓለ ብርኪ ይወስዱ ኣለዉ፤ ገሊኦም ድማ ስኢሎምን ቀሪጾምን ክማሓደሩ ኣኽኢልዎም ኣሎ ይብል ወልደኣብርሃ፡፡

ኣብ ትግራይ ንስእልን ቅርጽን ዝዋሃቦ ጠመተ ትሑት ብምዃኑ ሳኣልትን ቀረጽትን ክበዝሑ ኣይካኣሉን፤ ዝተወሰኑ ወለዲ እውን ንደቆም ኣየተባብዑን ይብል፡፡

ወልደኣብርሃ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ብዓርሱ ማእኸል መሰልጠኒ ከፊቱ’ሎ፡፡

XS
SM
MD
LG