ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፍትሒ ካብ ትግራይ ጠፊኣ'ያ' ዝብል ገምጋም ኣለዎም ባዓል ስልጣን ዓረና ትግራይ


ናፅነት ንክዓስል ሚድያታት ትግራይ ካብ ኢድ ገዛኢ ፓርቲ ንክወፃ'ውን ይሓቱ

ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከይሓዝካ ሰብ ኣብ ትግራይ ኣይእሰርን ዝብል ኣባሃህላ ሓላፊ ቢሮ‘ቲ ክልል ጌጋ‘ዩ፣ኣብ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ይግዛው ዝባሃል ውልቀ-ሰብ፣ብብልሽውና ተባሂሉ ተኣሲሩ ከሎ‘ዩ ኦዲት ዝተገብረ። መርተዖታት ኣኪብካ ምእሳር ኣብ ትግራይ ዘይተለምደ ነገር‘ዩ ይብሉ ኣቶ ብርሃኑ በርሀ።

ቶርቸር(ኣሲርካ ምስቃይ) ኣብ ትግራይ ኣሎ ዝበሉ ምክትል ኣቦ-መንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ብርሃኑ፣ሰባት ሰላማዊ ሰልፊ ክነካይድ ኢና ኢሎም ስለሓተተቱ ስለዝተቃወሙ ተኣሲሮም‘ዮም።ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተከልከለሎም ከባቢታት‘ውን ምጥቃስ ይካኣል‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG