ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርየት ከይሓረስካ ምዝራእ ዝካኣለሉ ስልቲ ኣብ ትግራይ ይተኣታቶ'ሎ


ከይሓረስካ ምዝራእ ብሰለስተ መንገዲ ዝትግበር ሜላ ሕርሻ እዩ። ቀዳማይ ብቀንዱ ንግራት ዘይምሕራስ ወይካዓ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ምሕራስ እዩ። ካልኣይ ቁልፊ ቁምነገር ካዓ ቀሪም ምግዳፍ እዩ። እዚ ማለት ድማ እኽሊ ምስ ታዓፀደ 30% ማለት ካብ ሰለስተ ሓደ ኢድ ቀሪም ኣብ ግራት ክሕደግ ኣለዎ። ሳልሳይ ድማ ዘርኢ ምዝናቕ ዝብል እዩ።

ኣብዚ ሜላ እዚ መፅናዕትን ምርምርን ዝገብሩ ዘለዉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕርሻን እንትኾኑ እቲ ምርምር ነቲ ኣብ ቤልጅየም ጌንት ዩኒቨርሲቲ ዝሰርሕዎ ዘለዉ መደብ ፒ ኤች ዲ ዝምልከት እዩ።

ሓደ ገባር ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ ስለዝሓርስ መሬት ብቐሊሉ ብንፋስን ውሕጅን ንምጉሕጓሕ ይቃልዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ብዕራይ ዘይብሉ ገባር ይፅገም። ቀሪም ተዘይተሓዲጉ እውን ብተመሳሳሊ ሓመድ ብማይ ተሓፂቡ ግራት ልሙዕ ሓመድ ይስእን።

ኣይተ ተስፋይ ” ኣብ ዓለም ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ሚልዮን ሄክታር መሬት ከይተሓረሰ ይዝራእ። እዚ ሜላ እዚ ኣብ ኣሜሪካ እዩ ተጀሚሩ። ብቐዳምነት ብራዚል ትስራዕ ካልኦት ከም በዓል ኣርጀንቲና ዝኣመሰላ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ በዚ ሜላ እዚ ፍሉጣት እየን። ኣብ ኤሽያ ህንዲ ኣብ ኣፍሪካ ጋና ዝኣመሰላ ሃገራት ጀሚረነኦ ኣለዋ” ኢሎም።

እዚ መፅናዕቲ እዚ ኣብ ትግራይ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ በልጅየም ብምትሕብባር ብ2005 እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ዓዲጉዶምን ደጉዓ ተምቤንን ዛጊድ ዝተገብረ ፈተነ ፅቡቕ ውፅኢት ተረኺብዎ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዓዲጉዶም ኣብ ዝተገብረ መፅናዕቲ በቲ ዝፀነሐ ልሙድ ቤላ ኣተሓራርሳ ካብ ሓደ ሄክታር መሬት 250 ኩንታል ልሙዕ ሓመድ ተጓሕጕሑ ይኸይድ ነይሩ። በዚ ሓዱሽ ሜላ ኣተሓራርሳ ናብ 50 ኩንታል ክትሕት ክኢሉ ኣሎ።

ማይ ብምዕቃብ መዳዩ እንትረአ እውን ካብ ሓደ ሄክታር መሬት 980 ሜትር ክዩብ ማይ ንበለል ይጠፍእ ነይሩ በቲ ዘመናዊ ሜላ ናብ 460 ሜትር ክዩብ ክወርድ ክኢሉ ኣሎ። ካብ ሓደ ሄክታር 16 ኩንታል ዘእትዉ ዝነበሩ ሓረስቶት ዓዲ ጉዶም ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ብምሕራስ ካብ ሄክታር 25 ኩንታል ክሓፍሱ ክኢሎም እዮም።

XS
SM
MD
LG