መቐለ —
ንግዚያዊ ምምሕዳር ዝከታተልን ምኽሪ ዝልግስን ክብሉ ብፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝገለፁዎ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ትማሊ ሰንበት ተመስሪቱ። ኣብዚ ካውንስል ክሳተፉ ዝተዓደሙ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣባላት ዲያስፖራን ኣካላት ፀጥታን ኣይተሳተፉን። ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ህወሓት፡ ቅድሚ ሐዚ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፖለቲካዊ ሕፅቦ ንምክያድ ዝተለመ እዩ ብምባል ተቓዊሙ ነይሩ።
ቅጥዒ