ኤርትራ ናጽነት ፕረስ ዘይክበረላ ሃገር ተባሂላ ብተሓለቕቲ ጋዜጠኛታት ትውቀስ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ግና፡ እቲ ጉዳይ ናይ ናጻ ፕረስ ጉዳይ ኣይኮነን ይብሉ። “ንሕና ንእሽቶ ሃገር ኢና፡ ናይ ወጻኢ ወራር ክመጻና ኸሎ፡ ሃገራዊ ድሕነትና ናይ ምሕላው መሰል ኣለና፡ ስለዚ ምስ መሰል ናጽነት ምዝራብ ዘራኽቦ የብሉን”።
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዛዕባ ዶብ፡ ብዛዕባ ሕገ-ምንግስትን ብዛዕባ ኤኮኖሚያዊ ዕብየት ኤርትራን ንዝቐረበሎም ሕቶ`ውን መሊሶም ኣለዉ፡ ምሉእ መደብ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡