ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተተኮሰ ናዕቢ ከቢድ ዓለማዊ ጽልዋ ክህልዎ`ዩ ተባሂሉ


እቲ ናዕቢ፡ ካብ`ቲ ኣብ ቀረባ ዘጋጠመ ዓለማዊ ኤኮኖሚያዊ ዝሕታለን ካብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መስከረም 11ን ንላዕሊ ጽልዋ ክህልዎ`ዩ ይብሉ ምንስተር ጉዳይ ወጻኢ እንግሊዝ

ዊልያም ሀግ ኣብ ዘረብኦም፡ ገና እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተላዕለ ምንቅስቓስ ደሞክራሲ፡ ኣብ መባእታዊ ደረጅኡ`ዩ ዘሎ ድሕሪ ምባል፡ ግሉጽነት ዘለዎ መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት፡ ኸምኡ`ውን ብልሽውና ምውጋእ ዝብሉ ጠለባት ኣህዛብ፡ ብኣግኡ እንተዘይተመሊሶም፡ ናብ ካልኦት ክፋላት ዓለም`ውን ክባርዑ`ዮም ኢሎም።

ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ ዝኣብዩ መንግስታት፡ ናይ ምውዳቕ ዕድላቶም ዝሰፍሐ ምዃኑ`ውን እቶም ምንስተር ወጻኢ እንግሊዝ ኣጠንቂቖም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG