ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰለስተ ተወላዶ ትግራይ ዝተፈላለየ ፖሊትካዊ ኣረኣእያ ይፈጥር

ደጋፊት መንግስቲ ወ/ሮ ሕድያት ራያ፡ ኢህወደግ ንኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ኢኮኖሚያዊ ደረጃ ኣሳጊርዋ`ዩ ክትብል ከላ፡ ደጋፊ ዓረና-መድረኽ ኣቶ ኣለምሰገድ ኣያልነህ ብወገኑ ናብራ ሓረስታይ ትግራዋይ ንዝሓለፈ ልዕሊ ሹድሽተ ዓመት እናንቆልቆለ`ዩ ኸይዱ ይብል። ሳልሳይ ተኻታዓይ ኣቶ መሓሪ ኣበራ ግን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ዲሞክራሲያዊ ባይታ`ውን ኣይተፈጥረን ይብል። ነቶም ኣጋይሽ ዓዲሙ ዘካትዐ ተወልደ ወልደገብርኤል`ዩ።

“ኢህወደግ ዝኽተሎ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ፡ ንሕብረተሰብ ብደርቢ ዝመቓቕልን፡ ደጋፍን ተቓዋምን ኢሉ ዝገምዕን ብምዃኑ፡ ግጉይ ስርዓት`ዩ” ይብል ደጋፊ መድረኽ ኣቶ ኣለምሰገድ ኣያልነህ። ደጋፊት መንግስቲ ሕድያት ራያ ብወገና፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዘርእዮ ነገር እንተሃለወ ኢህወደግ ምስ ተቓወምቲ ኣብ ፓርላማ ኮፍ ኢሉ ክካታዕን ምርጫ ኸካይድን`ዩ ዝርአ ዘሎ፡ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ድማ ኣብ ሓደ ለይቲ ክፍጠር ዝኽእል ኣይኮነን ኢላ። ኣቶ መሓሪ ኣበራ ድማ፡ “ኢህወደግ ንወተህደራዊ ሓይሊ፡ ንሓይሊ ጸጥታ፡ ንትካላት ፍትሒ ኸምኡ`ውን ንቦርድ ምርጫ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ክሳብ ዝኾነ፡ ምርጫ ምግባር ንህዝቢ ምትላል`ዩ” ይብል።

ኣቶ ኣለምሰገድን ኣቶ መሓሪን ካብ መንጎ ቀንዲ ተዋሳእቲ ፓል ቶክ ኣሉላ ኣባ ነጋ ክኾኑ ኸለዉ፡ ወ/ሮ ሕድያት ራያ ካብ ኣመሓደርቲ ፓል-ቶክ ገዛ ተጋሩ እያ።

XS
SM
MD
LG