ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምድምማፅ ዝርሓቖ ፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ዩናይትድ ስቴት ተኻይዱ


ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕን መነሓንሕቶም ጆ ባይደንን ንፈለማ ግዜ ትማሊ ምሸት ገፅ ንገፅ ብምርኻብ ርሱንን ምድምማፅ ዝርሓቖን ክትዕ ኣካይዶም።

ትራምፕ ብተደጋጋሚ ንባይደንን ንመመያየጢ ናይቲ ክትዕ ክሪስ ዋለስን ኣብ ማእኸል እናቋረፁ ይዛረቡ ነይሮም።ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ብተደጋጋሚ ነንሕድ ሕዶም እናቋረፁ ይዛረቡ ስለዝበሩ ስርዓት ኣልቦን ፍኑውን ክትዕ ነይሩ።ኣብ ከተማ ክሊቭላንድ ኦሃዮ ኣብ ዝርከብ Case Western Reseve University ዝተኻየደ ክትዕ 90 ደቓይቕ ዝወሰደ ነይሩ።

መራሕቲ ናይቲ መድረኽ ብተደጋጋሚ ‘’በጃኹም ኣዛርቡዎም’’ ክብል ንትራምፕ ይግስፆም ነይሩ።ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ‘’ኣታ ሰብኣይ ኣፍካ ዕፆ’’ ክብሉ ባይደን ንትራምፕ ተዛሪቦምዎም።

ኣብቲ ክትዕ ጉዳያት ኮሮናቫይረስ፣ዘርእን ዓመፅን፣ ትራምፕ ኣብ 2016ን 2017 ሕድ ሕድ ዓመት 750 ዶላር ጥራሕ ዓመታዊ ናይ ፌደራል ግብሪ ከፊሎም ዝብሉ ዛዕባታት ተላዒሎም ኣለው።

Recommended

XS
SM
MD
LG