ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም። እቶም ነበርቲ ብተወሳኺ “ኣብቲ ክልል ሰባት ይቕተሉ፣ይእሰሩን ገሊኦም ድማ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፈልጥን።ሓለዋ ኣይገበረልናን’’ ይብሉ ።መንግስቲ እቲ ክልል ግን ንዜጋታቱ ሓለዋ ይገብር እዩ፤ተቐቲሎም ብዛዕባ ዝተባሃሉ ድማ ሓበሬታ የብልናን ኢሉ’ሎ። ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ሰባት ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ መተማ ክልተ ሰባት፣ኣብ ከተማ ማክሰኚት ድማ ሓደ መንእሰይ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ከምዝተቐትሉ ትማሊ ስነ ስርዓት ቀብሮም ምክያዱን ስድራን ነበርትን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ "ኣብቲ ክልል ሰባት ይቕተሉ፣ይእሰሩን ገሊኦም ድማ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፈልጥን።ናይቲ ክልል መንግስቲ ንዜጋታቱ ዝህቦ ሓለዋ የለን’’ይብሉ።

ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ስለዘለኹ ዝነብረሉ ቦታ ይኹን ሽመይ ክግለጽ ኣይደልይን ዝበሉ ሓደ ነባሪ ክልል ኣምሓራ ኣባላት ኮሚቴ ወልቃይትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንመንግስቲ ዝተቓወሙን በደላት ይፍፀሞም ኣሎ ድሕሪ ምባል ብዛዕባ እቲ ብቕድሚ ትማሊ ዘጋጠመ ከምዚ ይብሉ።

“ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ወረዳ መተማ ኣብ ሕርሻ ቦታ ኮፍ ኢሎም እናውግዑ ከለው ምክልኻል መፂኦም ኸቢቦምዎም ምላው ከበደን ዘውዱ ገብረእግዛብሄር ንዝተብሃሉ ንኽልቲኦም ቐቲሎምዎም።ባህሩ ይታይው ንዝተባሃለ መራሕ መኪና እውን ብጥይት ቐቲሎምዎ።”

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚንኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓበሬታ የብለይን መንግስቲ ግን ንዜጋታቱ ሓለዋ ይህብ እዩ ኢሎም።

“ናይቲ ክልል ይኹን ናይታ ሃገር መንግስቲ ንዜጋታቱ ሓለዋ ይህቡ እዮም።ንዜጋታቱ ሓለዋ ንምግባርን ኣብታ ሃገር ሕግን ስርዓትን ንምኽባርን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ተኣዊጁ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ይርከብ።ተፈፂሞም ብዛዕባ ዝተባሃሉ ማእሰርትን መቕተልትን ግን ንግዚኡ ካብቲ ከባቢ ርሒቐ ስለዘለኹ ዝተጋገየ መረዳእታ ክህበኩም ግቡእ ኣይኮነን።”

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ነበርቲ ለሙ ሳቃ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ሰባት ይእሰሩ ኣለው ኢሎም።

ኣብ ፀባብ ክፍሊ ፖሊስ ጣቢያ ልዕሊ 20 ሰባት ተዳጉኖም ከምዝርከቡን ምስ ስድራ ይኹን ምስ ጠበቓ ከምዘይራኸቡን ይገልፁ።

ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ለሙ ኮማንደር ኢንስፔክተር ተሰማ ኢንቲዳ ግን ዝተባሃለ ሓሶት ምዃኑን መንግስቲ ዘውፅኦ ሕጊ ዝጠሓሱ እዮም ዝተኣስሩ ክብሉ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00

XS
SM
MD
LG