ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገማግም ግሪክ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ብምጥሓላ 3 ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ወደብ ግሪክ ሳሞስ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ሓንቲ ጀልባ ብምጥሓላ ሰለስተ ስደተኛታት ምሟቶምን ካልኦት ብዙሓት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘለው ሓለዋ ዶብ ግሪክ ምግላፆም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እታ ጀልባ ጉዕዞ ክትጅምር ከላ ብውሑዱ 30 ስደተኛታት ፅዒና ከም ዝነበረት ይእመን። ከውሒ ኣብ ዝበዝሖ ሰሜናዊ ምዕራብ ወደብ ኣጊያን ወሰን ማይ ኣጊዮስ ኣይሲዶሮስ ምጥሓላ'ውን ሰበስልጣን ሓለዋ ዶብ ግሪክ ይገልጹ።

ሞይተን ዝተረኸባ ሰለስቲኣን ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ ነፍፀ-ፁርን ህጻናትን ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ድማ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ሓቢሮም።

ዝተረፉ ስደተኛታት ንምርካብ ፍተሻ ቀጺሉ ከምዘሎ'ውን ሰብ -መዚ ግሪክ ይሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG