ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓት/ ንሰለስተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ  ካብ መዝነቶም ኣውሪዱ


ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓት/ ንሰለስተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረደን ንክልተ ድማ መጠንቀቕታ ከምዝሃበን ናይ ክልል ትግራይ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ገሊጹ።

በዚ መሰረት ኣቦ መንበር ህውሓት ኣቶ ኣባይ ወልዱ ካብ ኣቦመንበርነትን ኣባልነት ፖሊት ቢሮን ወሪዶም ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ ህውሓት ወሲኑ’ሎ።

ብተመሳሳሊ በዓልቲ ቤት ነፍስሄር ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ኣቶ መለስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ትእምትን ዝኾና ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ካብ ኣባልነት ፖሊት ቢሮን ማእኸላይ ኮሚቴን ወሪደን ተኣጊደን ንክፀንሓ ተወሲኑ’ሎ።

ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ትእምት ኣቶ በየነ መኩሩ እውን ካብ ፖሊት ቢሮ ወሪዶም ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ’ሎ።

ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማ እውን ከቢድ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ምንጭታት ዝገለፁ ክኾኑ ከለው ገለ አባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ከምተወስደሎም ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ቅድሚ ሎሚ ምስ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ካብ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ረጊፆም ዝወፁ ኣቶ ብርሃነ ኪዳነማሪያም/ብርሃነ ማረት/ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴነት ተኣጊዶም ኣለው ኢሎም።እቲ ኣኼባ ሕዚ እውን ቀፂሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG