ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮ ሰለስተ ወታደራት ተቐቲሎም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ይፍፅምሉ ከምዘሎ ኣማሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ወረዳ ኣማሮን ዞባ ምዕራብ ጉጂን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ንምዝሓል ካብ ዝኣተው ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሰለስተ ከምዝተቐትሉን ክልተ ከምዝቖሰሉን ዝተዛረቡ ናይታ ወረዳ ኣማሓዳሪ ኣቶ ኣማኑኤል ኣብደላ እቶም ዕጡቓት ‘’ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም ሓበሬታ ኣለና’’ኢሎም።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከምዝበፅሖም ዝገለፁ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ወሃቢ ቃልን ኦነግ ኣቶ ቶሌራ ኣዳባ ፈፃሚኡ ሰራዊት ኦነግ ድዩ፤ኣይኮነን ዝብል ኣብ ምፅራይ ንርከብ ኣለና ክብሉ ንቪኦኤ ግገሊፆም።

XS
SM
MD
LG