ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰልፊ አካይዶም


ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ብምድጋፍን መንግስቲ ሽብርተኛ ኢሉ ዝመደቦ ህወሓት ከፊቱዎ ንዝበሎ መጥቓዕቲ ንምኹናን ትማሊሓሙስ ሰላማዊ ሰልፊኣካይዶም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ 6ይ ሃገራሪ መረፃ፣ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴን እዋናዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ንፖለቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያን ንሪኢቶ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ምቕያር ይርከብ ኢሎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ::

ኣሽሓት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ኣሸበሪኢሉ ንዝኸሰሶ ሓይልታት ትግራይ ብምቅዋምንንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምድጋፍን ኣብመስቀል ኣደባባይ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ሰልፊ መደረ ዘስምዓ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብፍቕሪ እምበር ብሓይሊ ዘይንብርከክ ህዝብና ሒዝና ብሓድነት ንዝገጥሙና ፈተናታት ብዓወት እናሰገርናዮ ኢና ኢለን።

ብኻሊእ ዜና ሻድሻይ ሃገራሪ መረፃ፣ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴን እዋናዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ንናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሪኢቶን ኣብ ምቕያር ይርከብ ኢሎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ።

ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ኩነታት ብዝተኣሳሰረ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ትፅቢት ካብ ዝገብሩዎ ተፃራሪ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብዘሎ ዘይምርድዳእ ከይኮነስ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ጉዳይ ምንስቴርን ደመቀ መኮነን ምስ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ፍልይቲ ወኪል ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካይዱዎ ዝርርብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተፅዕኖ ካብ ምፍጣር ክቑጠብ ምግልፆም ኣምባሳደር ዲና ገሊፂም።

ኢትዮጵያ ምስ ኣመላልኣ ማይን ምምሕዳርን ግድብ ህዳሴ ንሓንሳብን ንመወዳእታን ዝብሃል ስምምዕ ፈፂማ ኣይክትቕበልን እያ እውን ኢሎም።

ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘቕርቡ ኣካላት ናይ ነፈርቲ በረራ ከምዝፈቐዱ ዘዘኻኸሩ ኣምባሳደር ዲና በረራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።ብዓፋር ኣቢሉ ብመካይን ንምቕራብ ዝግበር ፃዕሪ ህወሓት ኢሎም ብዝፀውዕዎ ናይ ትግራይ ሓይልታት‘’መጥቓዕቲ’' ምስንኻሉ እቶም ወሃቢ ቃል ገሊፆም።ብዛዕባ እዚ ክሲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተወሃበ መልሲ የለን።

ኣባል ኣመራርሓ ምምሕዳር ትግራይን ወሃቢ ቃል ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ሓይልታት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ዒላማ ዝገበሩ መጥቓዕታት ምፍፃሞም ንሮይተርስ ገሊፆም።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብልዝብ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበር ይፅውዕ።መንግስቲኢትዮጵያ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ምእዋጁ ስዒቡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ህልቂት ንምፍታሕ ክጥቀመሉ ኣለዎ ኢለን።ግን ሓይልታት መንግስቲ ካብ መቐለ ከንሳሕቡ ከለው ንኣብያተ ፅሕፈት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብምዝራፍ ናይ መራኸቢ ናውቲ ኣዕኒዮም፣እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ስለዝኾነ ዝተሰረቐ ንብረት ክምለስ ኣለዎ ኢለን።

‘’ናብ ትግራይ ንምእታው ወሳኒ ዝኾነ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ድልድላት ምዕናዎም እውን ፈሊጥና ኣለና’’ ዝበላንሰን ‘’ብመንገድን ብኣየርን ንምብፃሕ፣ቴሌኮምኒኬሽን፣ሓይሊ መብራህቲ፣ባንኪ፣ቀረብነዳዲ ረድኤት ንምቕራብ ኣገደስቲ እዮም።እዞም ኩሎም ተዓፅዮም እዮም። ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ዝተፀገሙ ሰባት ክበፅሑ ኣፀጋሚ እዩ።እንተድኣ ተረጋጊፁ እዞም ኩሎም ተግባራት ንሰብኣዊነት ዝተገብረ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ምልክታት ከይኮኑስ ምኽባብ እዩ’’ ኢለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንቅስቓሳት ሰብኣዊ ቀረባት፣ ሸቐጣትን ናይ ሰባት ምቅንስቓስን፣ናብ ትግራይን ኣብ መላእ ትግራይን ብዘይዓንቀፍቀፍ ክፈቅድ ኣለዎ እውን ኢለን።ልዕሊ ኩሉ ድማ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ንደሊ ኢና ኢለን።’’ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ’’ኢለን ዝፀውዕኦም ሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ኩሎም ወገናት ሓቃዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክገብሩ ክደራደሩ ኣለዎም ኢለን።ትርጉም ዘለዎ ስምምዕ ቶኽሲ ጠጠው ምባልን ምሉእ ምውፃእ ወታደራት ኤርትራን ናይ ኣምሓራ ክልላዊ ሓይልታትን ዘይተደረት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ የኽእል እዩ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ናይውሽጥን ወፃእን ዶባት ንሕገመንግስቲ ብዝፃረርብሓይሊ ክልወጥ የበሉን ኢለን።

ሕብረት ኣውሮፓ እውን ዝተኣወጀ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ‘’ቶኽሲ ጠጠው ምባል ኣይኮነን’’ኢሉዎ ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት።ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጃነዝ ሌናርቺች ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይምባል ስጉምቲ ‘’ቶኽሲ ጠጠው ምባል ኣይኮነን የግዳስ ምኽባብን ጥምየት ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ምጥቃምን እዩ’’ኢሎም’'።ኣብ ትግራይ ዓፀቦ 900,000 ንዝግመቱ ሰባት ክዉን ሓቂ እዩ።ካልኦት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ድማ ንዓፀቦ ሓደ ስድሪ ተሪፉዎም ኣሎ።እዚ ዓፀቦ እዚ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ሰራሕ እዩ፤እዚንዝገብሩ ድማ ውርደት እዩ’’ ኢሎም ሌናርቺች ብምውሳኽ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰልፊ አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:14 0:00



XS
SM
MD
LG