ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ መጥቃዕቲታት ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ኣሽሓት ሱዳናዊያን ካብ ዳርፉር ይሃድሙ


ካብ ዳርፉር ዝተመዝበሉ ሱዳናዎያን 4 ነሓሰ 2023- ፋይል
ካብ ዳርፉር ዝተመዝበሉ ሱዳናዎያን 4 ነሓሰ 2023- ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ኣብ ዳርፉር ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ምህዳሞም ገሊጹ።

ፀብፃብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት "8,000 ዝግመቱ መራሕቲ ስድራ ካብ ገጠር ዓዲ ሳሎማን ከባቢኡን ዓርብን ቀዳምን ናብ ኣንፈት ደቡብ ዋና ከተማ ኤል-ፋሸር ተመዛቢሎም ኣለው" ይብል ።

ወሃቢ ቃል ኣወሃሃዲ መዓስከር ዝተመዛበሉ ኣብ ዳርፉር ኣሕመድ ራጃል ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ(RSF) ንሳሎማ ኣጥቂዖም ኢሉ።

ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ኤል-ፋሸር ብዓፀቦ ዝተጠቕዑ ተመዛበልትን ዝርከቡዎም ካምፕታትን ተሓባበርቲ ሰራዊት ሱዳን ንዝኾኑ ምልሻታት መጥቓዕትታቶም ኣሐይሎም ኣለው።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዳርፉር ጥራሕ 1.7 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም 2 ሚልዮን ድማ ሕሱም ሕፅረት ውሕስነት መግቢ ገጢሙዎም ኣሎ ኢሉ ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG