ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ መጥቓዕታት ቦኮ ሓራም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኒጀርያዊያን ካብ መነባብሮኦም ይዘናበሉ’ለው ይብል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ


ፋይል-
ፋይል-

ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ኒጀር ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ኣብ ጽባሕ መጥቓዕትታት ቦኮ ሃራም ኣባይቶም ሓዲጎም ክሃድሙ ተገዲዶም ክብል ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ቦኮ ሃራም ዓርብ፡ሰንበትን ሶኑይን ኣብ ከተማ በሳሶ መጥቓዕቲ ድሕሪ ብምክያዱ 50 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣድሪያስ ኣንድሪውስ ሓቢሮም’ለው።

ንሶም ብተወሳኺ 'ብዙሓት ሰባት ርዒዶም’ለው። ብዛዕባ ደህንነቶም ፈሪሆም’ለው። ኣብ ጎልጎል’ዮም ዝሐድሩ ዘለው ብህጹጽ መጽለሊ የድልዮም። ካልእ ሓገዝ’ውን የድልዮም’ዩ’ ኢሎም።

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣጠንቂቁ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG