ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይ ሱባኤ ገዛ ጸኒሖም ዝተባህሉ ሳልሳይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምውጽኦም ተገሊጹ


መምህር መልኬጻድቕ ኣብራሃ
መምህር መልኬጻድቕ ኣብራሃ

ን10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ናይ ሱባኤ ገዛ ጸኒሖም ዝተባህሉ ሳልሳይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምውጽኦም ተገሊጹ

ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራን ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ብሞንጎኝነት ስምረት
ኣድባራት ኤርትራን ጉባኤ ሊቃውንቲ ኤርትራን ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ሽምግልና ዕርቂ ከምዝተዛዘመ
መምህር መልኬጻድቕ ኣብራሃ ገሊጾም።

ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦኒዎስ ካብቲ ናይ ሱባኤ(ቀኖና) ገዛ ድሕሪ ምውጽኦም ሰንበት 16 ሓምለ
2017 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስተ ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝትካየደ ጸሎትን
ቅዳሴን ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG