ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ተኻይዱ


ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ተኻይዱ፡፡ኣብዚ ዋዕላ ካብ ምሉእ ሃገር ዝመፅኡ ብርክት ዝበሉ ምሁራን ቋንቋታት ተረኺቦም ነይሮም፡፡ ልዕሊ 15 ውፅኢታት ምርምር ዝኾኑ ፁሑፋት ቀሪቦም እዮም፡፡ እቲ ዋዕላ ካብ 29 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ን3 ማዓልታት እዩ ተኻይዱ፡፡

ዋና ዳይረክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኽሉ ፤ እዚ 3ይ ሃገራዊ ስምፖዝየም ቋንቋታት ትግራይ ካብቶም ዝሓለፉ ክልተ ስምፖዘየማት ዝፍለየሉ ምኽንያት ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣለዉ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 1ይን 2ይን ስምፖዘየማት ዝቀረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ መብዛሕትኦም መፅናዕቲ ተገይሩ ዝነበሮም እወንታን ኣሉታን መመሃሃሪ ክኸውን ናብ ተሳተፍቲ ክቐርብ ምግባሩ፡: እቲ ካልኣይ ድማ ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፉ ስምፖዘማት እውን ፅቡቅ ተሳትፎ እንተነበረ ናይ ሎሚ ግን ዝበለፀ ግዘ ከይተፀባፀቡ ብናይ ናተይነት ስምዒት ሰፊሕን ዓሙቅን ዘተ ብምክያድ ዓብዪ ቁም ነገር ክርከበሉ ብምኽኣሉ እዩ፡፡

ዋና ዳይረክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኽሉ
ዋና ዳይረክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኽሉ

ኣይተ ንጉስ ደስታ ፤ ኣነ ዘቅረብኩዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣብ ቋንቋ ሳሆ ዝጠመተ እዩ፡፡ ተወላዲ ብሄረሰብ ኢሮብ ብምዃነይ ኣብቲ ቋንቋ ዝርኣዩ ግድፈታት ኣጠቃቅማ እየ ንምቅራብ ኪኢለ፡፡ ኣብ ኣናብባ ሳሆ ዝወሓጡን ዘይውሓጡን ኣብ ኣደማምፃ ብዝግባእ ንምጥቃም ዘኽእል 19 ኣብ ቋንቋ ሳሆ ኣመልኪቶም ዝተፀሓፉን ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ንጥቀመሎምን ብምድህሳስ እየ ኣቅሪበዮ፡፡

ወይዘሪት ዙፋን ገብረሂወት “ኣብ ከባቢ ራያ ዝፍለጥ ባህሊ እየ ኣቅሪበ፡፡ እቲ ባህሊ ደቂ ኣንስትዮ ራያ ዝጥቀማሉ ምግባእ ወይ ምእታው ዕጣን እናተብሃለ ዝፍለጥ ባህሊ ኣብ ኣገዳስነቱ ኣድሂበ ብምፅናዕ እየ ኣቅሪበ ፅቡቅ ተቀባልነት ድማ ረኺቡ፡፡”

ወይዘሪት ዙፋን ገብረሂወት
ወይዘሪት ዙፋን ገብረሂወት

ኣይት ፀጋይ “ቋንቋ እንትብሃል ሰፊሕ እዩ፡፡ ኣብ ሓደ ማዓልቲ ተዛሪብካ እትውድኦ ኣይኮነን፡፡ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ዋዕላታት 2 ማዓልቲ ነይሮም ሎሚ ናብ 3 ማዓልቲ ተገይሩ እዩ፡፡ አዚ ፅቡቅ ለውጢ እዩ፡፡ግን ቡዙሕ ማዓልቲ ዘድልዮ: ሎሚ ዋዕላ ካብ ዝሓለፉ ዋዕላታት ፍልይ ዘብሎ ሕውስውስ ዘይበሉ ንፁር ዝኾነ ኣርእስትን መፅናዕትን ዝቐረበሉ ምንባሩ እዩ” ክብሉ ርእይቶ ኦም ሂቦም፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:30 0:00

XS
SM
MD
LG