ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተረዛ መይ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ብምዃን ንደቪድ ካሜሮን ተኪአን


ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረዛ መይ
ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረዛ መይ

ተረዛ መይ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኮይነን ንደቪድ ካሜሮን ብምትካእ ኣብ ዳውኒንግ ስትሪት ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ስርሐን ጀሚረን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣብ ካቢነት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ደቪድ ካሜሮን ከም ጸሓፊት ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ብሪጣንያ ኮይነን ከገልግላ ዝጸንሓ እየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ደቪድ ካሜሮን ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዝለዓለ ድምጺ ክትወጽእ ድሕሪ ምውሳና ብወለንትኦም ካብ ስልጣኖም ክሰናበቱ ምውሳኖም ይዝከር። በዚ ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ ድሕሪ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዝነበረት ማርገረት ታቸር ንመዝነት ቀዳመይቲ ሚንስተር ዝሕዛ ዘለዋ ናይ ፈለማ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ብሪጣንያ ኮይነን ኣለዋ።

ንሰን ኣቐዲመን ንደቪድ ካሜሮን ብምድጋፍ ብትሑት ልሳን ነቲ ብሪጣን ያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ዝብል ዘይደገፋ ክኾና እንከለዋ፡ሕጂ ይቃወማ ምንባረን ይጥቀስ። ሕጂ ግን ተሪር መርገጺ ብምሓዝ ነቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ምውጻእ መስርሕ ከቀላጥፍኦ ከምዝኽእላ ተሓቢሩ ኣሎ።

ድሮ ኣብዚ ሰሙንዚ "ምውጻእ ብሪጣንያ ማለት ምውጻእዩ" ክብላ ነቲ ብገለ ብሪጣንያውያን ፖለቲከኛታት ዳግመ ግምት ክግበረሉ ወድይማ ካልኣይ ረፈረንዱም ክካየድ ክቐርብ ዝጸንሐ ጻውዒት ከምዘይከውን ምላሽ ሂበናሉ ኣለዋ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ 56 ዝዕድመአን ሓያልን ተራርን ፖለቲከኛ ምዃነን ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG