ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርቲ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ


ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ ብበዝሒ ይእሰሩን ናይ ንግዲ ትካሎም እውን ይዕሸጉ ከምዘለውን ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ፓርቲ ሳልሳይ ወያነን ገለ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ንቪኦኤ ገሊፆም።እናተሓፈሱ ናብይ ይውሰዱ ከምዘለው ኣይንፈልጥን ኢሉ ኣብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክብ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣቶ ሃይሉ ከበደ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ልዕሊ ደርዘን ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል CPJ ገሊፁ።

ብዛዕባ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይን እቶም ጋዜጠኛታትን ሓበሬታ ከምዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቪኦኤ ካብ ፌደራል ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ይኹን እምበር ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝርዝር ጉዳይ ከየልዐሉ ኣሸባሪ ኢለን ንዝፅውዕኦ ህወሓት ዝድግፉ ምህላዎም ብግላፅ ነዚኦም ተሓተቲ ንምግባር የድሊ እዩ ኢለን።

ሽሙን ስርሑን ክግለፀሉ ዘይደለየ ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከተማ መቐለ ብሓይልታት ትግራይ ካብ ትትሓዝጀሚሩ ሰፊሕ ማእሰርትን ምዕፃው ብተጋሩ ዝውነኑ ኣብያተ ንግዲን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ምስ ኣዕርኽቱ እናተጉዓዘ ከሎ ብፖሊስ ተታሒዙ ተኣሲሩ ከምዝነብረን ፀኒሑ ከምዝተፈትሐን ዝገለፀ ካሊእ ነባራይ ኣዲስ ኣበባ ካልኦት ግን ዛጊድ ከምዘይተፈትሑን ኣበይ ከምዘለውን ከምዘይፈልጥን ዝገለፀን እቲ ማእሰርቲ ሎሚ እውን ከምዝቐፀለን ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ሰራሕተኛታት ሚዲያን ሓዊሱ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ምህላዎም ቅድሚ ማዕልታት መግለፂ ዘውፅአ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ይከታተሎም ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ብመንነት ብምፍላይ ንጥርጣረን ኣድልዎን ዘቃልዕ ተግባር ከይኸውን ዘለዎ ስግኣት እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ እንተወሓደ ን15 ሰራሕተኛታት 2 ነፃ ሚዲያታት ምእሳሮም CPJ ዝተብሃለ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል ኣብዚ ቅኒያት ኣፍሊጡ ኣሉ።

CPJ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝተኣሰሩ ኩሎም ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚዲያን ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሑን ንኣባላት ፕረስ ምንክልባት ጠጠው ምባሉ ከረጋግፁን ፀዊዑ ኣሎ።

ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኣውሎ ሚዲያ ብምውራር እንተወሓደ ን12 ሰራሕተኛታትኣሲሮም ክብል ንፀብፃባት ዜና ብምጥቓስ፣ንጠበቓ ናይቶም ጋዜጠኛታት ታደለ ገብረመድህንንንገለ ኣባላት ስድራ እሱራትን ብምዝርራብ ከምዝተረድአ CPJ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰራሕተኛትት ኢትዮጵ ፎረም ዝኾኑ ጋዜጠኛ ኣበበ ባዩን ኣማሓዳሪ ናይቲ ብዩቱብ ዝፍኖ ሚዲያ ያየሰው ሽመልስን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው።

ቪኦኤ ዘዘራረቦም ገለ ኣባላት ስድራ እሱራት ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚዲያን ካብ ዝእሰሩ ሰሙን እንተገበሩ እውን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ገሊፆም።ተፈቲሖም ተባሂሉ እንተተነገሮም እውን ክሳብ እዚ ቃለ ምልልስ ዝካየድ ዘለውሉ ኩነታት ከምዘይፈልጡ ኣምሪሮም ይገልፁ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG