ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ብቢሊዮናት ዝግመት ንብረት ኢንቨስተራት ከምዝተወረረን ከምዝዓነወን ገለ ሰብ ሃፍቲ ገሊፆም


ኣብ ትግራይ ኵናት ስዒቡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ወሪዱ እዩ።ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዘኣተወሉ እዋን ኣብ ጎልጎል ራያ ናይ ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ ኢንቨስተራት ከምዝተወረረን ከምዝዓነወን ዘዘራርብናዮም ሰብ ሃፍቲ ይገልፁ።ምሉእ ብምሉ ንብረቶም ከምዝዓነወ ምስ ዝገለፁልና ክልተ ኢንቨስተራት ቃለ ምልልስ ኣካይድና ኣለና።ፌደራል መንግስቲ ንዚኦም ንምሕጋዝ ዝጀመሮ ምንቅስቓስን መልሲ ሓላፊ ጊዚያዊ ቢሮ ንግዲ መልሲ ፌደራል መንግስትን ክልል ትግራይን እውን ሒዝና ኣለና።ገብረ ገብረመድህን እዩ ኣዋዲዱዎ ናብኡ ከሕልፈኩም።

ብ1.5 ቢሊዮን ብር ካፒታል ዝንቀሳቐስን ብሃለቃ መጎስ ንጉሰ ዝውነንን ዘመናዊ ሕርሻ ምሉእ ብምሉ ከምዝተወረረን ከምዝዓነወን ይገልፅ ሃለቃ መጎስ።42 ዓመት ዝዕድሚኡ ሃለቃ መጎስ ኣብ ራያ ኣብ ሆቴል ሓዊሱ ኣብ ኣብ ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ዝወፈረ ዕውት ኢንቨስተር እዩ።

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ከተማ መኾኒ ብኣንፈት ደቡባዊ ምብባዊ ምብራቕ 15 ኪሎ ሜትር ሪሑቑ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ሽሙ ፋጫጋማ ‘’ሃለቃ መጎስ Commerical Ranch’’ ብዝብል ዝፅዋዕ ናይ 1.5 ቢሊዮን ብር ዘመናዊን ዓብይን ናይ ሕርሻ ኢንቨስትመንት ኣለዎ።

ሃለቃ መጎስ ዘመናዊ ኩለ መዳይ ሕርሻ ዝሓስብን ዝፍፅምን እዩ።እቲ Commerical Ranch ብዙሕ መዳይ ዘለዎዓውዲ እዩ።መራብሒ ኢንስሳት፣ዘመናዊ ፍሪያትፀባ ከም ቺስ፣ ክሬም፣ርግኦ፣ኣብ ትግራይ ብሕታዊት ፋብሪካ ዝኾነ ፋብሪ ቀለብ ኢንስሳት መኖ፣ምህጣር\ምድላብ\ ኣብዑር፣ሕርሻ፣ወዘተ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ግጭት ዝሓለፈ ሕዳር 2013 ዓ\ም ሓይልታት ምኽልኻል ፌደራል ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝመፅኡ ግዜ ግን ኩሉ ነገር ከምዘይነበረ ኮይኑ።

ብፍላይ ግን ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሰለተ ካርጎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 495 መልኣት ኣላሕም ካብ ሆላንድ ናብ መቐለከምዘግዓዘን እተን 236 ወሊደን እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒክወልዳ ትፅቢት ይግበር ከምዝነበረን ይገልፅ።።

እተን ከፍቲ ብ1.5 ሚሊዮን ዶላር ዝተግዝኣ ክኾና ከለዋ ንሰለስተ ካርጎ ነፈርቲ መጎዓዚያ መንገዲኣየር ኢትዮጵያ21 ሚሊዮን ብር ከምዝኸፈለ ይገልፅ።ደሊቦም ናብ ወፃኢ ክልኣኹ ይዳለው ዝነበሩ 376 ኣብዑር እውን እዮም ተወሪሮም።ናይ ሑመራ ዓሌት ከፍቲ ንምድቓል ዝተዳለዋ ልዕሊ 30ከፍቲ እውን ነይረን።ብጠቕላላ ልዕሊ 1,137 ክፍቲ፣ኣምራኹትን ኣቡዕርን ወሪሮምዎ። ትሽዓተ ትራክተራት ወሲዶምዎ፣ኣብ 139 ሄክትራ ዝተዘርአ ምህርቲ ኣጥፊኦምዎ፣ ገልበጥቲ መኪና፣ዶዘር፣ኤክስካቫተር፣ሓዊሱ ብዙሕ ማሽነራት እዩ ዓኒዩን ተዘሪፉን።’'ኩሉ ነገር ስለዝዓነወን ዝተወረረን እቲ ራንች ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣፀጋሚ እዩ’'ይብል።

ናይ ሃለቃ መጎስ Commerical Ranch ኣብቲ ከባቢ ዓብይ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ነይሩ።ሰለስተ ወፃእተኛታትን ሸውዓተ ዶክተራት ሓካይም ኢንስሳን ሓዊሱ 280 ስሩዓት ሰራሕተኛታት ነይሩዎ።ካብቲ ዝወሓደ 120 ሰብ ክሳብ 200 ሰብ ናይቲ ከባቢ ማዕልታዊ ተቖፂሮም ይሰርሑ ነይሮም ብመሰረት ሃለቃ መጎስ።

ካሊእ ንብረቱ ዝዓነወን ዝተዘረፈን ዘመናዊ ሕርሻ Savana Farming PLCን AJJ Dairy Farming Production እዩ።

ናይዚ ዘመናዊ ሕርሻ ወነንቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ኣቶ ኣበራ ጣሰው እዮም።ነባርነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ።ብዛዕባ ዝተዘረፈ ንብረት ብከምዚ ይገልፁዎም።

ናይቲ ኩባኒያ መጠን ኢንቨስትመንት 319 ሚሊዮን ብር ከምዝኾነ ኣቶ ኣበራ ጣሰው ይገልፁ።ኣብ 457 ሄክታር መሬት ዝነበረ ዝተፈላለይ ተኽልታት፣ፍሪያት፣ 150 ናይ ፈረንጂ ከፍቲ ሸውዓተ ትራክተራትን ካልኦት መካይንን ቆርቆሮ ከይተረፈ ኩሉ ንብረት ምውሳደንከምዝተወረረ፤እተን እንስሳት ተፃዒነን ናብ ቆቦን ወልዲያን ምውሳደን ከምዝሰምዑን ገሊፆም።እቲ ኩባኒያ ስራሕ ኣብ ምፍጣር ነቲ ከባቢ ይህቦ ዝነበረ ረብሓ ዝለዓለ ምንባሩ ሓቢሮም።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዝሓለፈ ዓርቢ 16 ታሕሳስ 2013 ዓ\ም ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኢንቨስተራት ሓደ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣዳሊዩ ነይሩ።

ኣብ ምንስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ዓለባን\ጨርቃ ጨርቅን\ ቆርበትን ኣቶ ዘሪሁን ኣበበእቲ ኣኼባ ብሓፈሻ‘’ናብ ስርሖም ክምለሱ ዘኽእል እኹል ቅድመ ኩነት ንምክያድ ዝተዳለወ ናይ ምኽክር መድረኽ እዩ’’ ኢሎም።

ግዚያዊ ሓላፊ ቢሮ ንግዲ፣ኢንዱቱሪን ከተማ ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይ እቲ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ቅልጢፍ ዳህሳስ ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ጎልጎል ራያ ጥራሕ ናይ ኣስታት 19 ኢንቨስተራት ናይ ቢሊዮናት ብር ዝግመት ንብረት ዓንዩ።ተመሪፁ ይጥቃዕ ዝነበረ ብዝመስል ኣገባብ ናይ ኩሎም ኢቨስተራት ንብረት ክዓኒ ከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ክልተ ናይ ወፃኢ ኩባኒያታት ግን ኣይተጠቕዑን ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።

ምሉእ ትሕዝቱኡ ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG