ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ዓባይ ስዓል ሎሚ ተዘኪሩ ውዒሉ


ውድብ ጥዕና ዓለም በብዓመቱ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ዝቐትል ናይ ዘመናት ሕማም ዓባይ ስዓል ከብቅዕ ቕልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ኣጠንቂቑ።እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ውድብ ጥዕና ነዚ ከቢድ መጠንቀቕታ ዘውፅእ ዘሎ ዓለምለኸ ዕለት ዓባይ ስዓል የኽብር ኣብዘለሉ እዩ።

እቲ ስዓት ናብ 2022 ዓመተ ምህረት ኣውሮፓ ብቕልጡ ይምርሽ እዩ ዘሎ።መራሕቲ ዓለም ሕማም ዓባይ ስዓል ከብቅዕ ቃል ናብ ዝኣተውሉ ዓመት።እቲ ዝተቐመጠ ሸቶ ከም ዝስሕት መረዳእታ ይሕብር።

ነቲ ሕማም ኣብ ምምርማርን ብዓባይ ስዓል ንዝሓመሙ ሰባት ዝውሃብ ህይወት ኣድሕን መድሓኒት ንምቕራብን ንዝነበረ ዓለምለኸ ፃዕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምዘሰናኸሎ ሰብስልጣን ጥዕና ይሰማምዑ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክኢላ ፕሮግራም ዓባይ ስዓል ዓለም ፍሊፕ ግላዚዩ እቲ ለበዳ ንጥዕናውን ማሕበራውን ስርዓታት ብምዝባዕ ዓባይ ስዓል ንምቁፅፃር ንዝካየድ ፃዕሪ ኣሰናኺሉዎ ኣሎ ይብሉ።

ካብ 84 ሃገራት ዝተኣከበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ኣብ 2020 ኣ\ፈ ሓደ 1.4 ሚሊዮን ሰባት እቲ ክንክን ኣይረኸቡን ዘለው ኢሎም።

ዓባይ ስዓል ኣብ ዓለም በብዓመቱ ህይወት 1.4 ሚሊዮን ሰባት ዘጥፍእ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ቀታሊ ተመሓላልፊ ሕማም እዩ።ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣስታት ርብዒ ህዝቢ ዓለም 1.8 ቢሊዮን ሰባት መንቀሊ ሕማም ዓባይ ስዓል ብዝኾነ ባክተሪያ ተለኺፎም ይርከቡ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይረክተር ዓለምለኸ ፕሮግራም ዓባይ ስዓይል ተሪዛ ካሳይቫ ውድበን ኣብ 2020 ኣ\ፈ ስኣን ሕክምና ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

ኣብ 2019 ኣ\ፈ ይውሃብ ካብ ዝነበረ መከላኽለን ክንክንን ዓባይ ስዓል ሎሚ ብልዕሊ 20 ሚታዊ ዝወሓደ እዩ ዝወሃብ ዘሎ ይብል ውድብ ጥዕና ዓለም።

XS
SM
MD
LG