ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ሳይንቲስት ተሸላሚ ኖርመን ቦርላው


ፕሮፈሰር ተካልኝ ማሞ
ፕሮፈሰር ተካልኝ ማሞ

ኢትዮጵያዊ ሳይንቲስትን ምክትል ሕርሻ ዝነበሩን ፕሮፈሰር ተካልኝ ማሞ፣ ናይ ሎም-ዘበን ተሸላማይ ኖርመን ቦርላው ኮይኖም።

ንሶም ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቅዑ፣ ንጥዕና ሓመድን ሃብቲ ተፈጥሮ ኣብ ምዕቃብን ብዘካየድዎ መፅናዕቲን ፃዕሪን’ዩ። 10 ሽሕ ዩሮ’ውን ተቀቢሎም’ለው ፕሮፈሰር ተካልኝ።

እቲ ብማሕበር ዓለም-ለኸ ኢንዱስትሪ ዱኽዒ ዝተዋሃበ ዓመታዊ ሽልማት፣ ኣብ ምድንፋዕ ፍርያት ርኡይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀ-ሰባት ትኹረት ዝገብር’ዩ።

ፃዕሪታት ፕሮፈሰር ተካልኝ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ን15 ሚልዮን ሄክታር መርየት ከምዝሸፈነ’ውን እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG