ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ትግራይ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ ኣለው' ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም


ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሰንባዲ ኩነታት ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ ኣለው፣ ማእከላት ጥዕና ዓንዮም፣ ምግሳስ ደቂ አንስትዮ ገኒኑ ኣሎ’ ኢሎም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም። 5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፣ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለው’ውን እቶም ዳይረክተር ገሊጾም።

ናይ ኖቤል ሰላም ሽልማት ተዓዋታይ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ‘ታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናብ መቐለ ምስ ኣተው ዓወት እንተኣወጁ እውን ውግእ ቀጺሉ እቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግጭት ብሓይልታት ኢትዮጵያን ወታደራት ኤርትራን ጃምላዊ ጭፍጨፋን ኣስግዳድ ጾታዊ መጥቓዕታትን ክስታት ኣልዒሉ ‘ዩ።

ቴድሮስ አድሓኖም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺን ኣብ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ፌስቡክ ዝወጸ ቪዲዮን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነትት ዘተሓሳስብ‘ዩ ኢሎም።

‘’ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብሓደ ቃል ክገልጾ እንተኾይነ ዘሰንብድ ዝብል ቃል አዩ።ኣዚዩ ዘሰንብድ።ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ እቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት የድሊዮ ኣሎ።91 ምእታዊ ረድኤት ምግቢ የድሊዮ።ብሰንኪ ጥምየት ብዙሓት ሰባት ምሟት ጀሚሮም ኣለው’’ኢሎም።

ከቢድን ሕሱምን ሕጽረት ኣመጋግባ ሰፊሕ እዩ እውን ኢሎም ንሶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣማእቲ ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ልዕሊ 60,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።ዝፍጸም መቕተልትን ጾታዊ ዓመጽን ሰፊሕ እዩ ኢሎም።

‘’ ኣስገዳድ ጾታዊ መጥቓዕቲ ብሰፊሑ’ዩ ዝፍጸም።ብሓቂ ኣብ ዓለም ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ በዚ ደረጃ ዝተፈጸመ ኣይመስለንን።ኣገልግሎታት ጥዕናት ዓንዮምን ተዘሪፎምን።መብዛሕቲኦም ኣይሰርሑን ዘለው።ብዘይኣፈላላይን ግልጺ ዘይኮነን ምቕታል ኣሎ’’ኢሎም።

ሞበቆሎም ኣብ ዝኾነት ክልል ትግራይ ኩነታት ኮቪድ-19 ዝተሓተቱ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስቶም ካልኦት ቅልውላዋት እንትርአ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን ኢሎም።

‘’ሓቂ ንምዝራብ ብዝዓበየ ደረጃ ብዛኦባ ኮቪድ-19 ኣብ እንዘራረበሉ ኩነታት ኣይኮናን ዘለና።ምኽንያቱ ካልኦት ኣገደስቲ ዛዕባታት ኣለው’’ኢሎም።

ሓደ ካብ መንጎ እቶም ኣዚዩ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዘለዎም ሽግራት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ሓገዝ ንከቕርቡ ምሉእ ብምሉእ ክኣውት እዩ።መራሕቲ ዓለምን ትካላት ረድኤትን ናብቶም በቲ ቅልውላው ኣዚዮም ዝተጠቅዑ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ተበጻሕነት ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።

ሕብረት ኣውሮጳ ናብቲ ከባቢ ረደአት ከይኣቲ ይፍጸም ንዘሎ ምዕጻው ብምውጋዝ ‘’ሰብኣዊ ረድኤት ከም ናይ ኲናት መሳርሒ ምጥቃም’’ ዝሓለፈ ዓርቢ ኮኒኑዎ ኣሎ።

እዚ ‘’ናትና ሓገዝ ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ንምብጻሕ ዓብይ ዕንቅፋት’’እናፈጠረ እዩ ኢሎም ዶክተር ቴድሮስ።

መብዛሕቲኦም ትካላት ጥዕና ኣብ ዝዓነውሉ እዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ውድብ ጥዕና ንኮሌራ፣ንፍዮን ካልኦት ለበዳታትን ሻቐሎ ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG