ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቁፅፅር መንግስቲ ውዒሎም ዝተኣስርሉን ድሕነቶምን ዘይፍለጡ ኣለው ኢሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል


ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናይ መንግስቲ ኣካላት ብዘይኮኑ ዝተፈፀሙ ገበናት ከም መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይወስዶም ናይቲ ትካም መፅናዕቲ ዘካይዱ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ገሊፆም።ኣቶ ፍስሃ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ብናይታ ሃገር ሕጊ ዝርኣዩገበናት እምበር ናይ ሰብኣዊ መሰላት መግሃስቲ ኣይኮኑን ኢሎም።መንግስቲ ንዞም ገበናት እዚኦም ደው ናይ ምባል ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።ዝተኣሰርሉ ዘይፍለጥንኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉን ድሕንነቶም ዘይፍለጥ ወልቀሰባት እውን መንግስቲ ጉዳዮም ዕላዊ ክገብር ሓቲቶም።

ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት \ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል\ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝከታተሉ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ድሕሪ ቅትለት ድምፃዊሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ኣብ ሃረርጌን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያን ብዝተፈጥሩ ግጭታት ስዒቡ መንግስቲ ስጉምታት ምውሳዱ ሓቢሮም።

5,000 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ብመግለፂ ድሕሪ ምሕባሩ ሕዚ ግንእቲ ኣሃዝ 7,000 ምብፅሑ ሓበሬታ ከምዘለዎም ገሊፆም::እቶም ዝተኣሰሩሰባት ዝተትሓዝሉ ኣገባብ ብዝምልከት ክለግልፁ ከለው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ ኦነግ፣ናይ ባልደራስ፣ናይ ኦሮሞ ፈዴራሊስት ኮንግረስ ሓዊሱ ከምዘለው ሓቢሮም። ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባ፣እስክንድር ነጋ ዝኣመሰሉ ሓዊሱ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለው ኢሎም።‘’እዞም ሰባት እዚኦም ዝተትሓዝሉ ኣገባብ መብዛሕቲኦም ቤት ፍርዲ ዘይምቕራብ፣ምስ ድርኦም ዘይምርኻብኣሎ፣ንጠበቓታቶም ንምርካብ ዝተፀገሙ ከምዘለው እዩ።ዝተወሰኑ ድማ ብፖሊስ ተቐጥቂጥና ኢሎም ንቤት ፍርዲ ይኹን ንጠበቓታቶም ተዛሪቦም ኣለው’’ኢሎም ብምስዓብ።እስክንድር ነጋ ክትሓዝ ከሎ ይኹን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኣባላት ፖሊስ ፌደራል ከምዝተቐጥቀጠ ንቤት ምፍርዲ ምግላፁ ሓቢሮም።

ሸምሰዲን ጠሃ ዝተብሃለ ኣብ ዝተኣሰረሉ እዋን ከምዝተቐጥቀጠን ዝቐጥቀጦ ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ከምዘርኣየን ሓቢሮም።ኣበይ ከምዝተኣሰሩዘይፍለጡ ሰባት እውን ከምዘለው ብኣብነት ብምድጋፍ ሓቢሮም ኣለው። ገለ ሰባት ድማ ክሳብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣበይ ከምዝተኣሰሩ ዘይፍለጡ ኣለው ምስበሉ ‘’ንኣብነት ናይ ኦሮሞ ነፃነት ግንባር ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝኾኑ ዶክተር ሽጉጥ ገለቴ፣ከኔሳ ኣያናን ካልኦትን ኣበይ ከምዝተኣሰሩ ኣይፍለጥን፤ዝተወሰኑ ናይ ወፃኢ ዜግነት ዘለዎም ናይ ኮንስላር ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።ኤምባሲኦም እውን ክረኽቦም ይግባእ።እዚ ከምዘይተረጋገፀሎም ኢና ፈሊጥና።ስለዚ ዝተደራረቡ መግሃስቲ መሰላት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ’’ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣምንሰቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእተወ መግለፂ ምውፅኡ ንዘቕረቦ ክሲ መልሲ ክህብሉ ዝተሓተቱ ኣቶ ፍስሃ ዝቐረበ ጥቕሉል ክሲ ስለዝኾነ መልሲ ንምሃብ ከምዝፅገሙ ብምሕባር ዝቐርብ ፀብፃብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር መፅናዕቲ ዝሓልፍን ኣብ ካእሎት ሃገራት ዓለም እውን ዝስርሓሉን እዩ ኢሎም።

‘’ኣብ ካልኦት ሃጋራት ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ዝወፅእ ፀብፃብ ብመስርሕ መፅናዕቲ ዝሓለፈ እዩ።ምእካብ መረዳእታ፣ምርግጋፅ መረዳእታ፣ንቶም መግሃስቲ መሰላት ምፍላይ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ኣለው።ኣምነስቲ ኢንተርናሽና ዝፍለጠሎም ብርቱዓት ናይ መፅናዕቲ መረጋገፂ መስርሓት ኣለዎ’’ ክብሉ ገሊፆም።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ሰብኣዊ መሰል ሕግታት መሰረት ገይሩ ዝተሰርሐ እዩ ኢሎም።ገበን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ናይ መንግስቲ እዩዝበሉ ንሶም ገበን ክፍፀም ከሎ መንግስቲ እንተተኸላኺሉ መግሃቲ ሰብኣዊ ኣይብሃልን ገበን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ስለዘለዎ መንግስቲ ሪኡ ከምዘይርኣየ እንተኾይኑ ግን ናይ መንግስቲ መግሃስቲ መሰላት ይኸውን ኣሎ ኢሎም።

ኣምነስቲ ናይ ባዕሉ መፅናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።ብዕምቆት ክስራሕ ዘለዎ መፅናዕቲ ብምዃኑ እንታይ ከምዝተፈፀመን ኣብዚናይ መንግስቲ ኣኽበሪ ሕጊ ታራ እንታይ ከምዝነበረን ብሰፊሑ ይምርምሮ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብፌደራል መንግስቲ ተኣሲሮም ከምዘርከቡ ኣብ ዝሓለፈ ምፅብፅባና ይዝከር።

XS
SM
MD
LG