ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሕቶታት ወልቃይትን ራያን ዝተዓፀወን ዝሞተን ኣጀንዳ እዩ' ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ


ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝጉዓዝ ሰብኣዊ ረድኤት ብጥብቂ ብምፍታሽ ብቕልጡፍ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ናይቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ገሊፆም።ናይ ህወሓት ሓይሊ ኢሎም ዝፀውዕዎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ወይልቃይትን ራያን ይውፃእ ኢሉ ንዘቕረቦ ፃውዒት እቲ ጉዳይ ብወገን ህዝቢ ኣምሓራ ዝተዓፀወ መዝገብ እዩ ኢሎም።


እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት(OCHA) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብኣላማጣን ብምዕራብ ትግራይን ንምእታው ብሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸልከለ ገሊፁ።

ዋና ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ‘’ተረፍ መረፍ ህወሓት’' ኢሎም ዝፀውዑዎም ኣካላት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናብ ትግራይ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝፀዓና መካይን ከይኣትዋ ክልል ኣምሓራ ከልኪሉ ዝብሃል ፍፁም ሓሶት እዩ ኢሎም። ናይ ክልሎም መንግስቲ ረድኤት ብቕልጡፍ ክኣቲ ምቹው ኩነታት ኣብ ፍጣር ይርከብ ኢሎም።

ረድኤት ዝፀዓና መካይን ምፍታሽ ናይ ግድን ብምዃኑ ከይተፈተሸ ዝሓልፍ የለን እውን ኢሎም ኣቶ ግዛቸው ብምውሳኽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


መንግስቲ ክልል ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ወልቃይትን ራያን ክወፅእ ንዘቕረቦ ፃውዒት ጉዳይ ወልቃይት ንድርድር ዘይቐርብ ዝተዓፀወ ኣጀንዳን ዝሞተን መዝገብን እዩ ኢሎም።

ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ ዘካየዱዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ ናይ ኤርትራን ኣምሓራን ሓይልታት ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ክወፁን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይተገደበ ኣገባብ ናብ ትግራይ ክኣትን ምትሕስሳቦም ይዝከር።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ 25 ሰነ 2021 ኣ\ፈ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ንጉዳይ ትግራይ ብዝምልከት ድሕሪ ምዝርራቡ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቶም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ‘’ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ናይ ኣቦ ሓጎታቶም መሬታ ከምዘለው እዮም ዝኣምኑ።እዚ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ወይ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ ኣብ 1992 ኣ\ፈ ብሓይሊ እዩ ተኻይዱ’'ኢሎም።

ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤሜረትስ ኣምባሳደር ሱሌይማን ዴዴፎ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ‘’ወልቃይት ኣብ 1984 ዓ\ም ብሓይሊ ናብ ትግራይ ቅድሚ ምሕዋሱ ኣካል ቤጌምድርን ጎንደርን ምዃኑ ክንምሃር ኢና ዓቢና ‘’ ኢሎም።

ብወከልቲ ህዝቢ ኣብ 1987 ዓ\ም ዝፀደቐ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ክልላት ብዝምልከት ኣብ ዘቐመጦ ዓንቀፅ ኣጣይሻ ክልላት ብመሰረት ኣሰፋፍራ መሬት፣ ቋንቋ፣መንነትን ድልየት ህዝብን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ይገልፅ።

ብኻሊእ ዜና ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት(OCHA)ብዛዕባ ትግራይ ብቕድሚ ሰለስተ ማዕልታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ዝፀውዖም ናይ ትግራይ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ምውፅኡ ስዒቡ ንመብዛሕቲኡ ትግራይ ካብ ዝቆፃፀሩዎ ጀሚሮም ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣገዳሲ ደረጃ ይመሓየሽ ኣሎ ኢሉ።

ብደቡባዊ ዞባ ትግራይ ካብ መቐለ ናብ ኣላማጣ እቲ መንገዲ ነፃ እነተተገበረ እውን ካብኡ ንምሕላፍ ግን ነቲ ቦታ ብዝተቐፃፀሮ ሓልይታት ፀጥታ ኣምሓራ ከምዝተኸልከለ OCHA ገሊፁ።ምንቅስቓስ መንገዲ ሽረ ሰለኽለኻ፣ኣክሱም ዓድዋ ካብ መቐለ ናብ ዓብይ ዓዲ የጭላ ሳምረ ከምኡ እውን ናብ ማይጨር ክፉት ከምዝተገበረ ገሊፁ ኣሎ።

ብክፋል ሸራሮን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ግን ክብፃሕ ኣይክኣልን ኢሉ ኣሎ።

ምዕራብ ትግራይ ድማ ብሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራ ከምዝተኸልከለ ሓቢሩ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::




XS
SM
MD
LG