ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

''ኣብ መወዳእታ ብወታሃደራዊ ዘይኮነስ ብፖለቲካዊ እዩ ክፍታሕ'' ክኢላ


ተዓዋቲ ሽልማትPulitzer Prize ናይ ዝኾነ መፅሓፍ ምፅናት ዓሌት ደራሲት ዝኾና ብዓልቲ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ መንግስቲ ኣሜሪካ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቲ ዝተገብረ ክልከላ ኢሉ ዝፀውዖ ንምኽፋት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፅዕኖ ንምዕራፍ ኣብ ኢትዮጵያ ይርከባ።ኣማሓዳሪት ልምዓት ተራድኦ ኣሜሪካ(USAID) ዝኾና ሳማንታ ፓወር‘’ኣብ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ጥምየት የለን’’ ክብሉ ኣስሚሮም ምስ ዝዛረቡ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ክራኸባ ተስፋ ኣለወን። ወኪል ቪኦኤ ቺነዱ ኦፎር ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝመደብሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ሰላም ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሊ ቨርጂ ኣብ ድሮ ዑደት ሳማንታ ፓወር ትማሊ ሶኑ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቲ ዝኸልከሉ ንመብዛሕቲኡ ክልል ትግራይ ደጊሞም ዝተቖፃፀሩ ሓይልታት ትግራይ እዮም ክብሉ ይኸሱ።ሰበስልጣን USAID ግን ምእቲ ብምእቲ ከምኡ ኣይኮነን ይብሉ።እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ካልኣይ ግንባር ከፊቱ ኣሎ ክብሉ ተንተንቲስግኣቶም ይገልፁ ኣለው።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኢኒስቲቱዩት ሰላም ዩናይትድ ስቴትስ ኣሊ ቨርጂ እቲ ኲናት ክልተ ግንባራት ፈጢሩ ኣሎ ይብሉ።

‘’እቲ ኲናት ናይ ክልተ ግንባራት ኵናት ኮይኑ ኣሎ’’ ዝበሉ ንሶም‘’ብምዕራብን ደቡብን ኣብ ዶብ ክልል ኣምሓራን ክልል ትግራይን ናብ ሱዳን ዘምርሕ ኮይኑ ኣሎ።ብኣንፈት ምብራቕ ትግራይ ናብ ክልል ዓፋርን ጅቡቲን እውን ሓዱሽ ምዕባለ እዩ።ኣብ ክልል ዓፋር ውግእ ይካየድ ኣሎ።እዚ ሓዱሽ መልክዕ ናይቲ ኲናት እዩ’’ኢሎም።

‘’እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ትግራትን ሓዱሽ ወታደራዊ ዕላማታት ስለዘለው እዩ’’ይብሉ ቨርጂ።ብናይ ኣምሓራ መንግስትን ካልኦት ክልላዊ መንግስታትን ዝተደገፉ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ነዚ ግብረ መልሲ ይህቡ ኣለው ንግዚኡ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኣይኮነን ዘሎ ግን ብርግፀኝነት ምዝራብ ዝክኣል ይጋፋሕ እዩ ዘሎ ይብሉ።ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎ እንተሃሊዩዎ ዝተሓተቱ ቨርጂ እቲ ተኽእሎ ኩልሻዕ ኣሎ ይብሉ።

‘’እቲ ኲናት ናብ ምዕራብ ገፁ ብዝተጋፍሐ ቁፅሪ ንሱዳን ሓዊሱ ብወገን ምዕራብ ንዘለዋ ጎረባብቲ ብዝበለፀ የሻቕለን እዩ።ብወገን ምብራቕ ዝተፈለየ እዩ ምኽኒያቱ ድማ ጅቡቲን ሶማሌን ኣብኡ ክሳተፉ ዘኽእለን ኣገዳሲ ሓይልታት የብለንን።ግን ብርግፀኝነት ዞባዊ ተሳትፎ ናይ ምሕዋስ ተኽእሎ ኣብ ቦትኡ ኣሎ’’ኢሎም።

ኣብ ባይታ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዝተሓተቱ ኣሊ ቨርጂ ንስደተኛታት ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ትግራይ መብዛሕቲኦም ተመዛቢሎም ንዘለው ብዙሓት ሰባት እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ይብሉ።ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናብቲ ክልል እኹል ምግቢ ንምእታዊ ከምዝተፀገመ ምግላፁ ዝሓበሩ ንሶም ኣብዚ ዝተመስረቱ ሚሊዮናት ኩነታትቶም እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም።‘’ክልቲኦም ወገናት ኣብ ወታደራዊ ወፍሮም ኣዚዮም ግልፂ እዮም።ካብ ግጭት ንምዕቃብን እቲ ግጭት ከብቅዕ ካብ ምድላይን ኣዚዩ ዘሻቕል ምልክት እዩ እዚ’’ኢሎም።ኣብ መወዳእትኡ ግን እቲ ምፍትሒ ወታደራዊ ከይኮነስ ፖለቲካዊ እዩ ክኸውን ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ዝመደብሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ሰላም ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሊ ቨርጂ ክልቶም ወገናት ኣብ ዘተ ንምፅማድ ድልየት እንተርእዮም ፖለቲካዊ ፍታሕ ምምፃእ ይክኣል እዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

''ኣብ መወዳእታ ብወታሃደራዊ ዘይኮነስ ብፖለቲካዊ እዩ ክፍታሕ'' ክኢላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:04 0:00


XS
SM
MD
LG