ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንርእሱ ‘’መንግስቲ ትግራይ’’ ኢሉ ዝፅውዕ ኣካል ንትእዛዝ ፕረዚደንት ባይደን ቅኑዕን ዝደንጎየን ኡሉዎ


‘’መንግስቲ ትግራይ ፕሬዝዳንት ባይደን ቅልውላው ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሰባት እገዳታት ንምንባር ኣፈፃሚ ትእዛዝ ምፍራሞም ብፅኑዕ ይኣምን’’ ክብል ንባዕሉ ናይ ትግራይ መንግስቲ ኢሉ ዝፅውዕ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣሸባሪ ኢሉ ብዝፅውዖ ህወሓት ዝምራሕ ምምሕዳር መሊሱ።

ንርእሱ መንግስቲ ትግራይ ኢሉ ዝፅውዕ ኣካል ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም 8 መስከረም 2014 ዓ/ም ኣብ ዘውፅኦ መልሲ ፕሬዝዳንት ባይደን ንዝፈረሙዎ ትእዛዝ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ስጉምቲ ርትዓዊ ኣንፈት እዩ ኢሉዎ ኣሎ።’’መንግስቲ ትግራይ ንቀንዲ ሓሳባት ናይቲ ኣፈፃሚ ትእዛዝ ንምድጋፍን ንምኽባርን ኣብ ውሽጢ ዝተዘርዘሩ ሰለስተ ሸቶታት ንምዕዋትን ናይ ባዕሉ ታራ ንምብርካት ድልዊ እዩ’’ኢሉ።

ኣብ እዋን እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወይ ኣብ ካሊእ ህዝቢ ገበናት ፈፂሞም ዝብሃሉ ውልቀሰባት፣ጉጅለታት ወይ ኣካላት ኣብ ምፍላይ ሓላፍነቱ ክዋፃእ እዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።’’ምስ ሓይልታት ትግራይ’’ ርክብ ብዘለዎም ውልቀሰባትን ኣካላትን ተፈፂሞም ክኾኑ ዝኽእሉ ጥሕሰታት ብሕቡራት መንግስታት ንዝጣየሽ ነፃ ምርመራ ሓዊሱ ዝካየዱ ኩሎም ኣገደስቲ ምርመራታት ንምድጋፍ ድሉውነትና ደጊምና ንገልፅ’’ይብል እቲ መግለፂ።

‘’መንግስቲ ትግራይ’’ ምምሕዳር ጆ ባይደን፣መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስን ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ንዘካይዱዎ ቀፃሊን ሃናፅን ፃዕርታት ናእድኡ ንምግላፅ ይደሊ ዝበለ እቲ መግለፂ ብኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ዝፈፀሙዎም ዝበሎም ጥሕሰታት ብዝምልከት መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ንስዎሰዶም ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ምስጋንኡ ይገልፅ ይብል እቲ መግልፂ።

መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወፁን ኣብ ትግራይ ዝካየድ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ቶኽሲ ጠጠው ክብልን ደጋጊሙ ምፅውዑ ከምዝርዳእ ብምዝኽኻር ምስ ካልኦት ዓለምለኸ መሻርኽቲ ብምዃንተፃብኦ ጠጠው ንምባል ልዝብ ክተሳልፍጥ ንዩናይትድ ስቴትስ ንድዕም ኢሉ እቲ መግልፂ።

ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ‘’ብዘይተለምደን ልዑልን ኣገባብ ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወፃእን ዩናይትድ ስቴትስ ስግኣት እዩ’’ ምባሎም ትኽክል እዩ ይብል እቲ መግለፂ።ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው ብመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ብሓይልታት ኣምሓራን ዝተፈጥረ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደገኛ ዘሳክሕክሕ ዓፀቦን ጥምየትን ንሚሊዮናት ሰባት ስግኣት እዩ ኢሉ።

ጨካን ከበባ ንምውጋድን ዘይተደረተ ሰብኣዊ ረድኤት ንምስላጥን፣’’ወረርቲ’’ ኢሉ ዝፀውዖም ሓይልታት ክወፁን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንምርግጋፅን ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተፈፀሙ ኩሎም ጭካነታትን ብነፃ ኣካል ክፃረይን ፈፅምቲ ናይቶም ገበናት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ንዝካየዱ ዓለምለኸ ፃዕርታት ምሉእ ደገፍና ደጊምና ነረጋግፅ ኢሉ ኣሎ እቲ መግለፂ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG