ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ብሰንኪ ሃገራዊ ምርጫታት ኣብ መላእ ዓለም ዝንቡዕ ሓበሬታ ዕብየት ኣርእዩ” ፍሪዶም ሃውስ


ፍሪዶም ሃውስ (Freedom House) ዝተባህለ ንደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሕለቕ ኣመሪካዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ናይዚ ዓመት ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫታት ዝርጋሐ ሓበሬታን ዘይሻራዊ መስመራትን እናተባሕጐገ ይመጽእ ምህላዉ ሓቢሩ። እቲ ትካል ከም ዝገልጾ፡ ፖለቲካውያን ተወዳደርቲን ሰብ-ረብሓን፡ ኣብ እዋኑ ጭቡጥ ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ወገናት ንዘይምብጻሕ፡ ናይ ምዕፋን፡ ምምስራሕን ምድንጋርን ተርእዮታት ብሰፊሑ ከም ዘካይዱ ይጠቅስ።

እዚ ምድንጋር ሓበሬታ ብቐንዱ ብመንገዲ ኢንተርነት ምዃኑ ዝሓበረ ፍሪዶም ሃውስ፡ እቲ ተርእዮ ንዝሓለፈ 14 ዓመታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይመጽእ ከም ዘሎ ጠቒሱ። ኣብተን መጽናዕቲ ዝተኻየደለን፡ ንኢትዮጵያ’ውን ዝሓወሳ 72 ሃገራት፡ ሕጂ’ውን ኢትዮጵያ እትርከበን 27 ሃገራት ኣብዚ መዳይን ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ከንቆልቍላ እንከለዋ፡ ዛምቢያ እትርከበን 18 ሃገራት ግን ትስፉው ምዕባለ ከም ዘርኣያ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG