ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ካርድታት ህያብ እንታይ ይኸውን?


ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ካርድታት ህያብ እንታይ ይኸውን?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:48 0:00

ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ካርድታት ህያብ እንታይ ይኸውን?

ኣመሪካውያን ኣብዚ በዓላት`ዚ ኣስታት 30- ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ካርድታት ህያብ የጥፍኡ። እንተኾነ መብዛሕቲኡ ኣብ ጠቕሚ ዝውዕል`ኳ እንተኾነ ብዙሕ ካርድታት ድማ ይርሳዕ ወይ ኣብ ጠቕሚ ከይወዓለ ይተርፍ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ዕዳጋ ኣመሪካ፡ 47 % ኣመሪካውያን እንተወሓደ ሓደ ዘይተጠቕምሉ ካርድ ኣለዎም፡ ብማእከላይ ግምት 187 ዶላር ዝዋግኡ:ብድምር 23-ቢልየን ዶላር ኣብ ጠቕሚ ዘይወዓለ ገንዘብ ምዃኑ`ዩ።

ብመሰረት ፈደራል ሕጊ፡ ካርድታት ህያብ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ኣይሓሩን`ዮም። ኣብ ገለ ግዝኣታት ድማ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣለዎም። ኣብ ኒውዮርክ ንኣብነት ድሕሪ ታሕሳስ 2022 ዝተዓደገ ካርድ ክሳብ ትሸዓተ ዓመት ክጸንሕ ይኽእል። እንተኾነ ዝቕባበን ዘይትሓሰበ ክፍሊትን ንዋጋ `ቲ ካርድታት ክበልዖ ስለዝኽእል ኣቐዲሞም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ክኢላታት ይመኽሩ።።

መብዛሕትኦም ዝርስዑ ወይ ኣብ ጠቕሚ ከይወዓሉ ዝተርፉ ካርድታት ህያብ ድማ ናይ ቤት መግቢ ካርድታት`ዮም፡ ብመሰረት`ቲ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሲሶ ናይቲ መሸጣ ካርድ ይሕዙ። ካርድታት ድሕሪ ክዳውንቲ ዝስርዑ ህያባት በዓላት`ዮም። እንተኾነ ክጠፍኡ ወይ ክርስዑ ይኽእሉ። ወይ ከኣ እቶም ሰባት ንፍሉይ መዓልቲ ክብሉ ይዓቑርዎም። መጠን ዝተዓቑረ ግን ገንዘብ`ውን ክቑረጾ ይኽእል`ዩ። ንኣብነት ከም ቪዛን ማስተር ካርድን ዝበሉ ካርድታት ፡ ኣብ ወሽጢ ዓመት እንተ ዘይተጠቒምካሎም፡ ካብ ምንቅስቓስ ዓዲ ውዒሎም ተባሂሎም ይቑረጾም`ዩ። ዝቕባበ `ውን ድሕሪ ግዜ እቲ ካርድ ዋጋ ዘይብሉ ክገብሮ ይኽእል`ዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ክትገዝኣሉ ዝሓሰብካ ዱካን ወይ ንግዲ እንተተዓጽዩ፡ ወይ ስለ ዝኸሰረ ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተኾይኑ፡ ኣኸለ ከሲርካ ማለት`ዩ፡ እቲ ካርድ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ማለት'ዩ።

ሕጂ ክኢላታት ከም ኣማራጺ፡ ሓደ ኣብ ነብስወከፍ ዓመት ዝተዋህበካ ካርድታት እንተሎ ምፍታሽ ይመኽሩ። ካልእ ድማ ክትሸጦ ከምትኽእል ካልእ ኣማራጺ`ሎ። ከም ካርድ፡ካሽ ወይ ረይዝ ዝብሃሉ ገጻት ኣለዉ፡ ካርድታት ህያብ ክትሸጠሎም ትኽእል። ምሉእ ዋጋ ኣይህቡኻን፡ ግን ክሳብ 70 ወይ 80 % ክትረክብ ትኽእል።

ካርድታት ህያብ ኣብ ጠቕሚ እንተዘይወዓለ እንታይ`ዩ ዝኸውን እንተኢልና፡ ካብ ትካላት ንግዲ ናብ ትካላት ንግዲ ይፈላለ እዩ። እንተኾነ እተን ነቲ ካርድ ዝሸጣ ትካላት ነቲ ገንዘብ ብእኡ ንብኡ ክጥቀማሉ ይኽእላ`የን። ገሊአን ድማ እቲ ካርድ ክምለሰና ይኽእል`ዩ ካብ ዝብል ግምት ምድላው ይገብራ። ካብኡ መኽሰበን ዘኻዕብታ`ውን ኣለዋ። ስለዚ ኣብተን ትካላት ገለ ምዝባዕ ከም ዝፈጥር ርዱእ`ዩ።

ብኻልእ ወገን እንተወሓደ ኣብ 19 ግዝኣታት ኣመሪካ፡ እቶም ኣብያተ ንግዲ ነቲ ኣብ ጠቕሚ ዘይወዓለ ካርድታት ናብ ዓማዊል ክመልስዎ ዝቕረብዎም ፕሮግራማት ኣሎ። ብውልቀ ሰባት ኣብ ጠቕሚ ዘይወዓለ ካርድታት፡ ዋግኡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከም ዝውዕል ይግበር ማለት `ዩ። ኩለን ግዝኣታት ድማ እንተላይ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ኣብ ጠቕሚ ዘይወዓለ ወይ ዋና ዘይብሉ ንብረት ናይ ምምላስ ፕሮግራም ኣለወን።ዳይሬክተር ማእከል ፖሊስን ባጀትን ግዝኣት ዋሺንግተን ሚሻ ወርሽኩል በብዓመቱ ድማ ኣስታት 3-ቢልየን ዶላር ናብ ተጠቃሚ ከም ዝምለስ ይገብራ ትብል።

ነቶም ኣብ ጠቕሚ ዘይወዓለ ካርድታት ዝሓዙ ሰባት ክትረኽቦም ቀሊል ከም ዘይኮነ ትገልጽ ሚሻ፡ እንተኾነ ዲጂታል ካርድታት እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ግን ክትረኽቦም ይሕግዝ`ዩ ትብል። ሕጂ እቶም ኣብያተ ጽሕፈት ዋና ዘይብሉ ንብረት ሓደ ወብሳይት MissingMoney.com ኣቑሞም ኣለዉ፡፡ ዓማዊል ናብቲ ወብሳይት ኣትዮም ዝእውድዎ ገንዘብ እንተሎ ከመልስዎ ይኽእሉ፡ ኣብ ጠቕሚ ካብ ዘይወዓለ ካርድታት ህያብ፡ ካሽ ማለት ጥረ ገንዘብ ከውህበካ ይኽእል ማለት`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG