ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሓሶት ሓበሬታን ብድሆታት ምርካብ ሓቀኛ ዜናን


Twitter
Twitter

ብሰንኪ ይንዛሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተኣማኒ ዜና ንምርካብ ከቢድ ይገብረሎ።ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ግን ወገናዊነት ሚዲያ እናፈለያ ኣንበብቲ ሓቃዊ ዜና ካብ ናይ ሓሶት ዜና ብምስትውዓል ክፈልዩ ኣብ ምስራሕ ይርከባ።

ናይ ምርጫ ዕለት እናቀረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኣሜሪካዊያን ካብ ትዊተርን ካልኦት ኣገባባትን ብኦንላይን ዜና ይረኽቡ።ብዙሓት ናይ ሓበሬታ ምዕልቕላቕ ወይ በዝሒ የጋጥሞም ኣሎ።ገሊኡ ሓበሬታ ትኽክለኛ ወይ ሓቂ ኣይኮነን።

Knight Foundation ናይ ዝተብሃለ ኩባኒያ ዳይረክተር ዝኾነ ጆን ሳንድስ ‘’ካብ 10 ኣሜሪካዊያን እቶም 8 ዝተዛብዐ ሓበሬታ ኣብ ውጽኢት ምርጫ ኣሉታዊ ታራ ክህልዎ እዩ ዝብል ዝኽፍታ ኣለዎም’’ ይብል።

መብዛሕቲኦም ኣሜሪካዊያን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ሪኦም ክፈልዩዶ ይኽእሉ? Ground News ናይ ዝተብሃለ ትካል ፈፃሚት ስራሕ ሃርሊን ካውር ተቐበልቲ ዜና እዚ ዜና እዚ ሓቂ ድዩ? ወግናዊ ድዩ ወይስ ኣይኮነን ኢሎምይሓቱን ይፈልዩን እዮም ትብል።

ነዚ እውን ንሳን መሳርሕታን ብምዃን ኣብ ዓለም ፈላማይ ምዃኑ ዝዛረቡሉን ዜና ዝነፃፀረሉ Ground News ዝተብሃለ መድረኽ ዝመሃዙ።

ኣብ እዋን ምርጫ ዝቐርብ ፖለቲካዊ ዜና ብሩሑቕ የማናይ ክንፊን ሩሕቕ ፀጋማይ ክንፍን ከመይ ከም ዝሰርሑዎ ብምቕራብ ሰባት ከነፃፅሩ ዕድል ዝህብ እዩ።

Allsides.com ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ እውን ፀጋማይ ክንፊ፣ማእከላይ መርገፂ ዘለዎምን የማናይ ክንፍን ንሓደ ፖለቲካዊ ፍፃመ ከመይ ገይሮም ኣርእስተ ዜና ከምዝሰርሑ ጠሚሩ የቕርብ።ሰለስቲኦም ንሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ፍፃመ ሰለስተ ዓይነት ኣጠማምታ የቕርባ ይብል ኣብ Allsides ዝሰርሕ ብሮል።

ዜናታት ብጥርጣረ ዓይኒ ብምርኣይ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ሕቶታት ምልዓል ከምዘድሊ ክኢላታት ይገልፁ። እዚ ሓቂ ክኸውንዶ ይኽእል?ሓቂ ዘይኮነሉ ምኽኒያትዶ ኣሎ? ዝብሉ ደው ኢልካ ምሕሳብ ከምዘድሊ ኣብ ኢንዲያና ዩኒቨርስቲ ተሓሓባብሪ ፕሮፌሰር ሳሚር ፓቲል ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG