ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ስዒቡ ይነብርሉ ካብ ዝነበረ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወረዳታት ራያ ኣላማጣን ራያ ባላን ከምኡ'ውን ካብ ከተማ ኣላማጣ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ሰባት ናብ መንበሪታቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ምጅማሩ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ሃፍቱ ኪሮስ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።
ንሶም “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 15 ሽሕ ዝኾኑ ተመዛበልቲ ክምለሱ ምኽኣሎም” ወሲኾም ሓቢሮም።
ይኹንምበር ኣብ ሞንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንሕቶታት መንነትን ርእሰ-ምምሕዳርን ካብ ዝለዓለሎም ከባቢታት ዝኾነ ከተማ ኣለማጣ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት ኣብትሕቲ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ብምምሕዳር እቲ ክልል ሓገዝ በጀት ተሰሊዑሉ ክመሓደር ዝፀንሐ መዋሰኒ ከባቢ ኮይኑ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ከንቲባ ሃይሉ ኣበራ ነቲ ናይ ምምላስ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ “ንስምምዕ ሰላም ዝጠሓሰ እዩ” ክብሉ ኮኒኖምዎ። ንሶም “ እቶም ዝምለሱ ዘለዉ ብሽም ተመለስቲ ዕጡቃት ህወሓት እዮም። ከምኡ'ውን ህወሓት ንሙሉእ እታ ከተማ ተቆፃፂሩዋ ከምዝርከብን እዚ ድማ ንነበርቲ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ፀጥታ ፀገም ከስዕብ ዝኽእል'ዩ” ክብሉ'ውን ተቃውሞኦም ይገልፁ።
ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ግን እቲ ናይ ምምላስ ስራሕ ምስ መንግስቲ ፊደራል ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ይፍፀም ምህላዉ ብምግላፅ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግስቶም ዝለዓል ነቀፌታ ይነጽጉ።
ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝለዓሉ ሓሳባት ሒዝና ካብ መንግስቲ ፌደራልን ርእይቶ ንምርካብ ናብ ሚኒስትሪ ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ዝገበርናዩ ናይ ስልኪ ፈተነ ኣይሰለጠናን። ብወገን ክልል ኣምሓራውን ስጋብ እዚ ዜና ዘዳለውናሉ እዋን ዝረኸብናዩ መልሲ የለን።
ምኽትል ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ቅድሚ ሎሚ ካብ ሓይሊ ምክልኻል ፌደራል ወፃኢ ዘለዉ ዕጡቃት ኩሎም ክወፁ፣ ተወለድቲ እቲ ኸባቢ ኮይኖም ድማ ቅድሚ 2013 ዓ/ም ዕጡቃት ምልሻ ዝነበሩ ግን ምስ ዕጥቆም ክፀንሑ ከምዝግበር ድምፂ ኣመሪካ ፀብፂቡ ምንባሩ ይዝከር ።
ብዝተሓሓዝ ኣብ ባህርዳር ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተዳለወ ካብ ኩለን ክልላት ዝተዓደሙ ተሳተፍቲ ተረኺቦሙሉ ዝተባህለ “ዋዕላ ሰላም” መንግስቲ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንኽኸውን “ብሓይሊ ናብቲ ኸባቢ ኣትዮም ዝበሎም ዕጡቃት ህወሓት ንኽወፁ ክገብር ይግባእ" ክብሉ ብዓል 10 ነጥቢ መግለፂ መርገጺ ምውፀኦም ዝዝከር እዩ።
ቅጥዒ