ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ናይ ምዃን ሕቶን ፈተናታቱን


ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ክንኸውን ኢና ዝብል ሕቶ ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።ሕቶታት ምቕራብ ጥራሕ ከይኮነ ድማ ምኽንያት ቅልውላው ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ።

ብፍላይ ድማ ምስ ናይ ሲዳማ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ብዝተኣሳሰረ ዝተልዓለ ዕግርግን ግጭትን መንቀሊ ሞት ዓሰርተታት ሰባት፣ምምዝባልን ምዕናውን ንብረት ኮይኑ ኣብቲ ክልል ዝለዓለ ወጥሪ ፈጢሩ’ሎ።

ንምዃኑ እቲ ሕገ መንግስቲ ክፀድቕ ከሎ ልዕሊ 60 ብሄርን ብሄረሰባትን ልዕሊ 10 ሚሊዮን ነበርትን/ኣብ 1986 ዓ/ም ዝነበረ በዝሒ ህዝቢ እዩ/ዝሓቖፈ ከባቢ ኣብ ሓደ ክልል ክሕቆፉ፣ኣስታት 131 ሽሕ በዝሒ ህዝቢ ዝነበሮ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ድማ ክክል ክኸውንን እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ?ሕገ መንግስታዊ ኣፈታትሕ ናይ ‘’ክልል ክንኸውን ኢና’’ ዝብል ሕቶ እንታይ እዩ?ሲዳማ ክልል ኮይንና ኣለና ኢሎም ምእዋጆም ሕጋዊ ድዩ?ዝብሉን ካልኦትን ተዛመድቲ ሕቶታት ምሁራ ሕጊ ዝኾኑ ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ መልስን ሪኢቶታቶምን ሂቦምና ኣለው።ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ትምህርቲ ሕጊ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር እዮም።

ንምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:24:36 0:00

XS
SM
MD
LG