ደሴ —
ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘለዉ ናይ ይግባኣና ሕቶ ዝቀርበሎም ኣዋሰንቲ ከባቢታት ብህጹጽ መሓውራት ምምሕዳር ንምምስራት መምርሒ ከምዝተቅመጠ ነቲ ጸገም ብዘላዊ ንምፍታሕ ተመስሪቱ ዝተባህለ ሃገራዊ ዓብይ ኮሚቴ ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጡ።
እቲ 13-ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ እቲ ሃገራዊ ዓብይ ኮሚቴ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያን ሕገ መንግስትን ዘላቂ ፍታሕ ንምርካብ ዝተጀመረ ምንቅስቃስ ዕዉት እዩ ኢሉ'ሎ።
ናይ ራያ ወሎ ኣምሓራ ኮሚቴ ኣምላሲ መንነትን ወሰንን ብወገኑ ነቲ ውሳነ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ዘየገናዘበን እቲ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘለሉ ንኹሉ ዝሓቆፈ ግዝያዊ ምምሕዳር ምምስራት ዘይከኣል እዩ ብምባል ተቃዊምዎ'ሎ።
ቅጥዒ