ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ፕሬዝዳንት ባይደን ቀንዲ ናይ መሰረተ ልምዓት ትልሞም ሕጊ ኮይኑ ክፍረም ትፅቢት ይግበር


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝሓለፈ ዓብይ ዘይሻራዊ ናይ መሰረተ ልምዓት ወፃኢታት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ንፕሬዝዳንት ባይደን ብሰፊሑ ከም ዓወት ተራእዩ ኣሎ።እንተኾነ ከምቶም ባይደን ቅድም ኢሎም ዝተዓወቱሎም ሕግታት ኣብ ናብራ መብዛሕቲኦም ኣሜሪካዊያን ቅልጡፍ ለውጢ ዘይከምፅኡ ይኽእሉ እዮም።

ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ መጀመሪያ ናይ ስልጣን እዋኖም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ፋናንሳዊ ፀገን ንዘጋጠሞም ካብ ፌደራል መንግስቲ ብቐጥታ ናብ ሒሳብ ባንኪ ሚሊዮናት ኣሜሪካዊያን ዝኣተወ ቀንዲ ናይ መነቓቕሒ ስጉምትታት ወሲዶም እዮም።

እዚ 550 ቢሊዮን ዶላር ዝተመደበሉን ናይ መሰረተ ልምዓት እታዎት ግን በከምኡ ኣይሰርሕን።ኣብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን መምልኢ ኖቕጣታት ፣ኣውራ መንገድትታ ፣ወደባት ፣መዕረፎ ነፈርቲ ፣ዝኣምሰሉን ኣብ ኣዋርሕ ከይኮነስ ኣብ ዓመታት ወፃኢ ዝኸውን እዩ ክብሉ ተንተንቲ የጠንቅቑ።

ኪላታት ናይዚ ውፅኢት ንምርኣይ ዓመታት የድሊ ይብሉ።እዚ ግን ነታ ሃገር ንምስግጋር ዘለዎ ዝለዓ ዓቕሚ ከምዘሎ ከህስሶ ኣይኽእልን ይብል ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ብሩኪንግስ ኢንስቲቲዩት ኣብዝተብሃለ ትላል ክኢላ ጆሴፍ ኬን።

እቲ ሕጊ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዕረፍቲ ዝርከብ ኮንግረስ ምስ ተመለሰ ኣብ ዝካየድ ፕሬዝዳንታዊ ናይ ምፍራም ስነስርዓት ክፍፀም ትፅቢት ይግበር።

ውፅኢቱ ብዝግባእ ንምርዳእ እንተወሓደ ዓሰርተ ዓመት ከድሊ እዩ ይብል ካሊእ ላዕለዋይ ክኢላ ፖሊሲ ማይክል ሄንድሪክስ።

እቲ ናይ መሰረተ ልምዓት ወፃኢታት ሕጊ ክኸውን ክሳብ ዝፍረም ግን ባይደን ሎሚ እውን ብዛዕባ ትልሞም ወፍሪ ምክያዶም ክቕፅሉ እዮም።ኣብዚ ሰሙን ካብቲ ሕጊ ተጠቀምቲ ኣብ ዝኾና ዝተፈላለያ ከተማታት እናዘሩ ወፍሪ ከካይዱ መደብ ሒዞም ኣለው።

ፅባሕ ረቡዕ ናብ ወደብ ባልቲሞር ክጉዓዙ እዮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG