ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣውሮጳ - 8 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሓገዝ ንግብጺ ከምዝልግስ ኣፍሊጡ


ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተፈጥረ ቁጠባዊ ቅልውላውን ግጭትን ስደተኛታት ዝያዳ ናብ ገማግም ባሕሪ ኣውሮጳ ከምርሑ ክደፍኦም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ሕብረት ኣውሮጳ ናብታ ሕፅረት ገንዘብ ኣጋጢምዋ ትርከብ ግብፂ ኣስታት 8-ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ከምዝልግስ ኣፍሊጡ ክብል ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ትማሊ ሰንበት 17 መጋቢት 2024 ኣብ መንጎ ፕረዚዳንት ዓብዱል ፈታሕ ኤል-ሲሲን ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮጳ ኢርሱላ ቮን ደር ሌየንን ዝተፈረመ ስምምዕ ተሓለቅቲ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ግብፂ ኣመልኪቶም ነቀፌታ ኣልዒሎም'ዮም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት መራሕቲ ሃገራት ቤልጂየም፣ ኢጣልያ ፣ ኦስትርያ፣ ቆጵሮስን ግሪኽን ተረኺቦም ኔሮም።

ፕረዚደንት ግብፂ ኤል-ሲሲ “እዚ ናይ ሎሚ ርክብ ኣብ ዝምድናታት ግብፅን ሕብረት ኣውሮጳን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝውክል እዩ። እዚ ሓገዝ ድማ አብ ሽርክና ግብፅን ሕብረት ኣውሮጳ ዓብዩ ለውጢ ዘመዝገበ እዩ" ኢሎም። እቲ ሓገዝ ነታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝሓዘት ዓረባዊት ሃገር ኣብ ዝቅፅሉ ሰለስተ ዓመት ዝወሃብ ሓገዝን ልቃሕን ዘጠቃለለ ምዃኑ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ካይሮ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ክልቲኦም ወገናት ምትሕብባሮም ናብ ደረጃ “ስትራቴጂካውን ኩለመዳያውን ሽርክነት” ከምዘዕብይዎን ምትሕብባር ግብፅን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባውን ዘይቁጠባውን መዳያት ንምስፋሕ መገዲ ዘናደየ እቲ ተልእኾ ሕብረት ኣውሮጳ ገሊፁ።

ሕብረት ኣውሮጳ ግብፂ ከም ተተኣማምን መሻርኽትን ከምኡእውን ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ዘለዋ ምዕሩይነት ሰላም ኣብ ግምት ብምእታው ንዘለዋ ፍሉይን ኣገዳስን ኣቀማምጣ መሬት ልዑል ኣፍልጦ ከምዝህቦ ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዝውፀኦ ሓባራዊ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብቲ ስምምዕ ዝተረኽባን ሃገረን ኣብ ምዕዋት'ቲ መደብ ዓብዪ ግደ ዝተፃወተትን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ብወገነን ነቲ ስምምዕ “ታሪኻዊ” ክብላ ንኢደን። ንሰን ወሲኸን “እዚ ተበግሶ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ወገን ማእከላይ ባሕሪ ሜዲትራንያን መዋቅራዊ ኣገባብ ምትሕብባር ንምሕያልን ንምትብባዕን ድልውነት ዘርኢ እዩ” ኢለን።

እቲ ስምምዕ ሓባራዊ ኣዋጅ ብዝብል ዝተሰየመ ኾይኑ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሓዞም ዕላማታት “ምምዕባል ዴሞክራሲ፣ መሰረታዊ ናፅነት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰብኣዊ መሰላትን ፆታዊ ማዕርነትን ምድንፋዕ" ዝዓለመ ምዃኑ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ይሕብር።

ከምኡ እውን ክልቲኦም ወገናት ምስ ስደትን ግብረሽበራን ተኣሳሲሮም ንዘጋጥምዎም ፈተናታት ኣብ ምፍታሕ እውን ምትሕብባራቶም ከዕሙቑ እዮም።

እዚ ስምምዕ ዝተፈረመ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ ራፋሕ ክትፍፅሞ ትቀራረበሉ ኣላ ዝተባህለ መጥቃዕቲ መሬት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁፀሩ ሰባት ናብ ውሑስ ደሴት ሲና ግብፂ ሰይሮም ንምእታው ከገድዶም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብዚ ሻድሻይ ወርሑ ሒዙ ዝርከብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ ራፋሕ ግዒዙ እዩ።

ግብፂ ትሸዓተ-ሚልዮን ስደተኛታት ከምዘለዉዋን ካብዚኦም ኣስታት 480- ሽሕ ስደተኛታትን ዝኾኑ ኣብ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ምዃኖም ትገልፅ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ግብፂ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንዂናትን ድኽነትን ሃዲሞም ንዝመፁ ስደተኛታት መዕቆቢት ኮይና ፀኒሓ እያ።

እዚ ስምምዕ ኣብቲ ንዓመታት ዝፀንሐ ቅልውላው ቁጠባ፣ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬንን ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝፈጠሮ ፃዕቂ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘስዓቦ ቅልውላው ቁጠባ ግብፂ ክሕግዝ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ግብጺ ብዝምልከት እቲ ሓገዝ ካብ ዓለምለኸ ጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታታት ኣስዒቡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓባበርቲ ከይኮኑ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣውሮጳ ኢቭ ጌዲ “መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ሰበስልጣን ግብፂ ንንፁር መዐቀኒታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝዓግቱ ከረጋግፁ ኣለዎም። ከምኡ እውን ግብፂ ኣብ ልዕሊ መሓውራት ዜናን መሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላፅ ዘለዋ ገደብን መሰል ሲቪላዊ ማሕበረሰባት ከምትጭፍልቕን ኣመልኪቶም።

ኣብ መጀመርታ ናይ እዚ ሰሙን ኣብ ብራስለስ ብዛዕባ ሞራል ከምዚ ዓይነት ውዕላት ሕቶ ዝቐረበሎም ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኤሪክ ማመር ኣብ ኩለን እዘን ሃገራት ከምኡ ዝበለ ጉዳያት ከምዘሎ ኣሚኖም እንተኾነ ግን ንሽርክነት ክብሉ ተኸላኺሎም። "እወ ኣብተን ሃገራት ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣሳሰር ነቐፌታ ንፈልጦ ኢና እንተኾነ ግን ነዚ ተባሂሉ ኩሉ ዝምድናታትና ክንበትኽ ኣለና ማለት ድዩ፧" ክብሉ ኣብ ምምሕያሹ ክስርሓሉ ዝግባእ መገዲ ክስዕብ ፃዕሪ ምግባር ፍታሕ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG