ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ጠጠው ዝብል መራሕቲ ህወሓት ንፍርዲ ክቐርቡ ከለው እዩ' ብልጽግና ፓርቲ


ኣብ ትግራይ ዝካየድ ወታደራዊ ወፍሪ ዝተወድአ እንተኾነ እውን ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝዛዘም ግን መራሕቲ ህወሓት ንፍርዲ ክቐርቡ ከለው ስለዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገዛኢ ውድብ ብልፅግና ገሊፆም።

እዚ ኣብ ዝተወሰኑ ማዕልታት ክዛዘም ይኽእል እዩ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ እቲ ቤት ሕፈትን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ህወሓት ስልታዊ ምንስሓብ ገይረ ኣለኹ እናበለ ይገልፅ።

ኣቶ ብናልፍ ግን ነዚ ኣበሃህላን ነዊሕ ናይ ደባይ ውግእ ክህሊ እዩ ንዝብልን ግምት ነፂጎምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG